6 እቲ ወሰን ከዓ ንቤት ሖግላ ይድይብ እሞ ብሰሜን ቤት ዓረባ ይሓልፍ፥ እቲ ወሰን ድማ ናብ እምኒ ቦሃን ወዲ ሮቤል ይድይብ።
ብወገን ምብራቕ ዘሎ ወሰን ድማ ኻብ ባሕሪ ጨው ኽሳዕ እቲ መወዳእታ ፈለግ ዮርዳኖስ ነበረ። ብወገን ሰሜን ዘሎ ወሰን ድማ፥ ካብ ወሽመጥ ባሕሪ ኽሳዕ እቲ መወዳእታ ፈለግ ዮርዳኖስ እዩ።
ኣብ በረኻ ቤትዓረባ ሚዲን ስካካ፥
እቲ ወሰን ከዓ ኻብ ለሰ ዓኾር ናብ ዳቤር ይድይብ፤ ከምኡ ኸዓ ናብ ሰሜን፥ ንጌልገላ ኣቢሉ ይጥምት፤ ንሱ ኸዓ ኣብ መንፅር እቲ ኣብ ወገን ደቡቡ ነቲ ሩባ ዘሎ ዓቐበት ኣዱሚም እዩ፤ እቲ ወሰን ድማ ንማይ ዔይን ሳሚስ ይሓልፍ፤ ናብ ዔንሮጌል ይወፅእ።
ቀፂሉ ድማ ንሰሜን ኣቢሉ ናብ ቤት ሳሚስ ይድይብ፤ ናብቲ ኣብ መንፅር ዓቐበት ኣዱሚም ዘሎ ገሊሎት ደዪቡ ኸዓ፥ ናብ እምኒ ቦሃን ወዲ ሮቤል ይወርድ።