57 ቃይን ጊብዓ ተምና። ኵለን ዓሰርተ ኸተማታትን ቍሸታተንን
ድሕሪ ብዙሕ እዋን ድማ ጓል ሴዋ ሰበይቲ ይሁዳ ሞተት። ይሁዳ ሓዘኑ ምስ ወድአ ምስ ፈታዊኡ ኤራስ ኣዶላማዊ ናብቶም ኣባጊዑ ዝቐርፁ ዝነበሩ ሰባት ናብ ተምና ደየበ።
ንትእማር ድማ “እንሆ ድማ ሓሙኺ ይሁዳ፥ ኣባጊዑ ኽቐርፅ ናብ ተምና ይድይብ ኣሎ” ኢሎም ነገርዋ።
እቲ ንመድማና ዝመስረተ ሸዓፍን፥ እቲ ንመክቢናን ንጊብዓን ዝወለደ ንሱሳን ወለደትሉ። ካሌብ፥ ዓክሳ እትበሃል ጓልውን ነበረቶ።
ብዛዕባ ድርቂ ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦
ካብ በዓላ ንምዕራብ ድማ እቲ ወሰን ንእምባ ሴይር ይዘውር፤ ናብ ሰሜናይ ፀግዒ እምባ የዓሪም ከዓ ይሓልፍ፤ ንሱ ክሳሎን እዩ፤ ንቤትሳሜስ ወሪዱ ድማ ናብ ቲምና ይሓልፍ።
ዮቅድዓም ዛኖዋሕ፥
ሓልሑል ቤትፁር ግዶር፥
ኤሎንን ትምናን ኣቃሮንን፥