5 ብወገን ምብራቕ ዘሎ ወሰን ድማ ኻብ ባሕሪ ጨው ኽሳዕ እቲ መወዳእታ ፈለግ ዮርዳኖስ ነበረ። ብወገን ሰሜን ዘሎ ወሰን ድማ፥ ካብ ወሽመጥ ባሕሪ ኽሳዕ እቲ መወዳእታ ፈለግ ዮርዳኖስ እዩ።
ናይ ምብራቕ ወሰንኩም ከዓ፥ ካብ ሓፃርዔናን ክሳዕ ሴፋማ ምልክት ግበረሉ።
እቲ ወሰን ብፈለግ ዮርዳኖስ ኣቢሉ ናብ ባሕሪ ጨው ይብፃሕ። ሃገርኩም ምስቲ በርባዕተ ወገና ዘሎ፥ ወሰና እዙይ እዩ።
ብወገን ደቡብ፥ ካብቲ ብወገን ኤዶምያስ ዘሎ ምድረ በዳ ፂን ይኹን። ብወገን ምብራቕ፥ ካብቲ ደቡባዊ ጫፍ ባሕሪ ጨው ይጅምር።
እቲ ወሰን ከዓ ንቤት ሖግላ ይድይብ እሞ ብሰሜን ቤት ዓረባ ይሓልፍ፥ እቲ ወሰን ድማ ናብ እምኒ ቦሃን ወዲ ሮቤል ይድይብ።