3 ንዓቐብ መተሓላለፊ ኣቅራቢም ናብ ደቡቡ ወፂኡ፥ ንሲን ሓሊፉ፥ ንቃዴስ በርኔ ብደቡባ ደዪቡ፥ ንሔፅሮን ሓሊፉ ድማ ንኣዳር ይድይብ፤ ናብ ቃርቃ ኸዓ ይዘውር።
ተመሊሶም ድማ ናብታ ዓይንሚስፓጥ እትበሃል ቃዴስ መፁ፤ ንዅላ ምድሪ ኣማሌቃውያንን፥ ነቶም ኣብ ሓሴቦን ታማር ዝነበሩ ኣሞራውያንን ከዓ ሰዓርዎም።
ኵሎም ማሕበር ደቂ እስራኤል ከዓ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ ናብ ምድረ በዳ ፂን ኣተዉ፤ ኣብ ቃዴስ ድማ ፀንሑ። ማርያም ከዓ ኣብኡ ሞተት፤ ኣብኡውን ተቐበረት።
ኣቦታትኩም ድማ ምድሪ ኽሪኡ ኢለ ኻብ ቃዴስ በርኔ ምስ ሰደድክዎም፥ ከምኡ ገበሩ።
ወሰንኩም ብደቡብ ዓቐበት ዓቅራቢም ዘይሩ ናብ ፂን ይሕለፍ፤ ብደቡብ ቃዴስ በርኔ ኣቢሉ ድማ ይውፃእ። ብሓፀርኣዳር ወፂኡ ኸዓ ናብ ዓፅሞን ይሕለፍ።
ወሰኖም ብወገን ደቡብ ካብ ደቡባዊ ጫፍ ባሕሪ ጨው ይጅምር።
ንዓፅሞን ኣቢሉ ድማ ይሓልፍ፤ ናብ ፈለግ ግብፂውን ይወፅእ። ናይ ወሰን መውፅኢ ኸዓ ኣብ ጥቓ ዓብዪ ባሕሪ ነበረ። ብወገን ደቡብ ዘሎ ወሰኖም እዙይ እዩ።
ወሰን ኣሞራውያን ከዓ ኻብ ዓቐበት ዓቅራቢም፥ ካብቲ ጭንጫ ጀሚሩ ኽሳዕ ላዕሊ ነበረ።