24 ዚፍን ጤለምን በዓሎትን፥
ካሌብ ሓው ይረሕምኤል ንበዅሪ ወዱ ሞሳ ወለደ፤ ሞሳ ንዚፍ ወለደ፤ ዚፍ ንመሪሳ ወለደ፤ መሪሳ ንኬብሮን ወለደ፤
ኦ ጐይታ፥ ብስምካ ኣድሕነኒ፤ ብሓይልኻውን በይነለይ።
ቃዴስን ሓፆርን ዪትናን፥
ሓፆር ሓዳታን ቄርዮት ሔፅሮንን፥ ወይ ሓፆር፥
ሽዑ ሳኦል ነቶም ህዝቢ ፀዊዑ ኣብ ጌልገላ ቘፀሮም፤ ደቂ እስራኤል ክልተ ሚእቲ ሽሕ ኣጋር፥ ሰብ ይሁዳ ኸዓ ዓሰርተ ሽሕ ኾኑ።
ዳዊት ድማ ኣብቲ ኣብ ምድረ በዳ ዘሎ ዀረብታ ተቐመጠ፤ ኣብቲ ኣብ ምድረ በዳ ዚፍ ዘሎ ኾረብታውን ይቕመጥ ነበረ። ሳኦል ከዓ ዅሉ መዓልቲ ይደልዮ ነበረ፤ ኣምላኽ ግና ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ኣይሃቦን።
ሽዑ ዚፋውያን ናብ ሳኦል ናብ ጊብዓ ደዪቦም፦ “ዳዊት ኣብቲ ዱር ዘሎ ብየሴሞን ደቡብ ምድረ በዳ ዘሎ ዀረብታ ኤኬላ ተሓቢኡ ኣሎ።
ንሳቶም ከዓ ተሲኦም ቀቅድሚ ሳኦል ናብ ዚፍ ከዱ። ዳዊትን ሰዓብቱን ግና ኣብ በረኻ ማዖን ብየሴሞን ብወገን ደቡብ ኣብ ዘሎ ጐልጐል ነበሩ።