21 እተን ብወገን ደቡብ ናብ ወሰን ኤዶምያስ ኣቢለን ኣብ ወሰን ዘለዋ ኸተማታት ነገድ ደቂ ይሁዳ እዚኣተን ነበራ፦ ቀብስኤልን ዔደርን ያጉርን፥
እስራኤል ከዓ፥ ካብኡ ተልዒሉ ድንኳኑ ኣብ መንፅር ግንቢ ጋዴን ተኸለ።
በናያስ ወዲ ዮዳሄ ኸዓ፥ ወዲ ሓደ ጅግና ሰብኣይ በዓል ቀብፅኤል፥ ዓብዪ ስራሕ ዝሰርሐ ነበረ፤ ንሱ ነቶም ክልተ ጀጋኑ ደቂ ኣሪኤል ሰብ ሞኣብ ቀተሎም፤ በረድ ኣብ ዝኾነሉ መዓልቲ እውን ናብ ውሽጢ ጕድጓድ ወሪዱ ኣንበሳ ቐተለ።
ንሳቶም ኣብ ቤርሳቤህ፥ ሞላዳ፥ ሓፃርሹዓል፥
ሓድሓደ ኻብ ደቂ ይሁዳ ድማ ኣብ ጥቓ ማሕረሶም ዘሎ ኸተማታት ኣብ ቂርያትኣርባቅን ኣብ ከባቢኣን፥ ኣብ ዲቦንን ኣብ ከባቢኣን፥ ኣብ ይቀብፅኤልን ኣብ ቝሸታታን ተቐመጡ።
ከምኡውን ብዙሕ ህዝቢ፥ ነቲ ዅሉ ዝገበሮ ሰሚዑ ኻብ ኢየሩሳሌም፥ ካብ ኤዶምያስ፥ ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ካብ ዙርያ ጢሮስን ሲዶናን ናብኡ መፀ።
ደቂ ይሁዳ ኸከም ዓሌቶም ዝተቐበልዎ ርስቲ እዙይ እዩ፦
ቂናን ዲሞናን ዓድዓዳን፥
እቲ ኻልኣይ ዕፃ ድማ ናብ ነገድ ስምኦን ከከም ዓሌቶም በፅሐ። ርስቶም ከዓ ኣብ ማእኸል ርስቲ ደቂ ይሁዳ ነበረ።