18 ናብ ጎቶንያል ምስ መፀት፥ ካብ ኣቦኣ ግራት ክልምን መኸረቶ፤ ካብ ኣድጋ ኸዓ ወረደት። ካሌብ ድማ “እንታይ ኴንኪ?” በላ።
ርብቃ ድማ ንይስሓቅ ረአየቶ፤ ቀልጢፋ ኻብ ግመል ወሪዳ ኸዓ፥
“በረከት ሃበኒ፤ ምድሪ ደቡብ ሂብካኒ ኢኻ እሞ ዓይኒ ማያት ከዓ ሃበኒ” በለቶ። ንሱ ድማ ላዕለዋይ ዓይኒ ማያትን ታሕተዋይ ዓይኒ ማያትን ሃባ።
ንሳ ናብ ጎቶንያል ምስ መፀት፥ ካብ ኣቦኣ ግራት ክልምን መኸረቶ። ንሳ ኸዓ ኻብ ኣድጊ ወረደት። ካሌብ ድማ “እንታይ ክገብረልኪ ትደልዪ?” በላ።
ኣቢግያ ድማ ንዳዊት ምስ ረአየቶ፥ ቀልጢፋ ኻብቲ ኣድጊ ወረደት፤ ኣብ ቅድሚ ዳዊትውን ብገፃ ተደፊኣ ናብ ምድሪ ፍግም በለት።