15 ካብ ኬብሮን ናብቶም ኣብ ዳቤር ዝነብሩ ደየበ። ዳቤር ቀደም ቅርያትሴፌር ትብሃል ነበረት።
ስለዙይ ንጉስ ኢየሩሳሌም ኣዶኒፄዴቅ፥ ናብ ሆሃም ንጉስ ኬብሮንን፥ ናብ ጲርኣም ንጉስ ያርሙትን፥ ናብ ያፊዓ ንጉስ ላኪሶን፥ ናብ ዳቤር ንጉስ ኣዶላምን ልኢኹ፥
ኢያሱ ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ተመሊሱ ንዳቤር ተዋግኣ።
ካሌብ ድማ “ነቲ ንቅርያትሴፌር ተዋጊኡ ዝሕዛ፥ ዓክሳ ጓለይ ሰበይቲ ኽትኮኖ ኽህቦ እየ” በለ።