12 ብወገን ምዕራብ ድማ ምስ ዓብዪ ባሕሪ ይዋሰን። ወሰን ደቂ ይሁዳ ኸከም ዓሌቶም ብዙርያኡ እዙይ እዩ።
“እቲ ወገን ምዕራብ ድማ፥ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ኻብ ወሰን ደቡብ ክሳዕ መንፅር ሃማት እዩ፤ እዙይ እቲ ወገን ምዕራብ እዩ።
ኣብ ወሰን ሮቤል ከዓ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ንይሁዳ ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።
ኵላ እግርኹም ዝረገፃ ቦታ ናታትኩም ክትከውን እያ፤ ወሰንኩም ድማ ኣብ ምድረ በዳ፥ ክሳዕ ሊባኖስ፥ ኣብቲ ዓብዪ ፈለግ ካብ ኤፍራጥስ፥ ጀሚሩ ኽሳዕ ባሕሪ ምዕራብ ክኸውን እዩ።
እቲ ወሰን ከዓ ብሰሜን ፀግዒ ኣስቀሎና ይወፅእ። እቲ ወሰንውን ናብ ሽክሮን ኣቢሉ ይዘውር፤ ብእምባ በዓላ ድማ ይሓልፍ፤ ናብ የብንኤል ይወፅእ፤ እቲ ወሰን ከዓ ናብ ጥቓ ዓብዪ ባሕሪ ይወፅእ።
ኣዛጦንን ምስ ዝተዓረዱን ዘይተዓረዱን ከተማታታን ቍሸታታን፥ ጋዛ ምስ ዝተዓረዱን ዘይተዓረዱን ከተማታታን ቍሸታታን ክሳዕ ፈለግ ግብፅን ክሳዕ ወሰን ዓብዪ ባሕሪን።
ኣብ ሸውዓተ ኽፍሊ ኸዓ ይምቀልዋ፤ ይሁዳ ኣብ ብፅሒቱ ብወገን ደቡብ ይቀመጥ። ቤት ዮሴፍ እውን ከምኡ ኣብ ብፅሒቱ ብወገን ሰሜን ይቀመጥ።