Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 15:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 እቲ ወሰን ከዓ ብሰሜን ፀግዒ ኣስቀሎና ይወፅእ። እቲ ወሰንውን ናብ ሽክሮን ኣቢሉ ይዘውር፤ ብእምባ በዓላ ድማ ይሓልፍ፤ ናብ የብንኤል ይወፅእ፤ እቲ ወሰን ከዓ ናብ ጥቓ ዓብዪ ባሕሪ ይወፅእ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 15:11
15 Referencias Cruzadas  

ነቲ ንጉስ ድማ “እቲ ንብዔልዜቡል ኣምላኽ ኣስቀሎና ክትጥይቕ ልኡኻት ዝሰደድካስ፥ ኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የለን እዩ? ስለዙይ ብርግፅ ክትመውት ኢኻ እምበር፥ ካብዝ ደቂስካሉ ዘለኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፤ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር” በሎ።


ንሳቶም ድማ “ሓደ ሰብኣይ ክራኸበና መፀ፤ ናብቲ ዝለኣኸኩም ንጉስ ተመሊስኩም ‘እቲ ንብዔልዜቡል ኣምላኽ ኣስቀሎና ክትጥይቕ ዝለኣኽካስ፥ ኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የለን እዩ? ስለዙይ ብርግፅ ክትመውት ኢኻ እምበር፥ ካብቲ ደቂስካሉ ዘለኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፤ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር’ ኢልኩም ንገርዎ በለና” በልዎ።


ንጉስ ዖዝያ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፤ ንቕፅሪ ኸተማታት ጌትን ያብናን ኣዛጦንን ድማ ኣፍረሰ። ኣብ ምድሪ ኣዛጦንን ኣብቲ ዝተረፈ ሃገር ፍልስጥኤማውያንን ከዓ ዝተዓረዳ ኸተማታት ሰርሐ።


ብወገን ምዕራብውን እቲ ዓብዪ ባሕሪ ወሰን ይኹነልኩም።


ካብ በዓላ ንምዕራብ ድማ እቲ ወሰን ንእምባ ሴይር ይዘውር፤ ናብ ሰሜናይ ፀግዒ እምባ የዓሪም ከዓ ይሓልፍ፤ ንሱ ክሳሎን እዩ፤ ንቤትሳሜስ ወሪዱ ድማ ናብ ቲምና ይሓልፍ።


ብወገን ምዕራብ ድማ ምስ ዓብዪ ባሕሪ ይዋሰን። ወሰን ደቂ ይሁዳ ኸከም ዓሌቶም ብዙርያኡ እዙይ እዩ።


ኣስቀሎና ምስ ዝተዓረዱን ዘይተዓረዱን ቍሸታትን፥


ካብ ርእሲ እቲ እምባ ኸዓ እቲ ወሰን ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶ ይበፅሕ፤ ናብ ከተማታት እምባ ዔፍሮንውን ይወፅእ፤ እቲ ወሰን ከዓ ናብ በዓላ፥ ወይ ቂርያት የዓሪም ይበፅሕ።


ከምኡውን ደቂ ይሁዳ ንጋዛ ምስ ከባቢኣ፥ ንኣስቀሎና ምስ ከባቢኣ፥ ንኣቃሮን ምስ ከባቢኣ ሓዝወን።


ሰብ እስራኤልን ይሁዳን ከዓ ተሲኦም ፈከሩ እሞ፥ ክሳዕ ጌትን ክሳዕ ደገታት ኣቃሮንን ኣሳጐጕዎም። እቶም ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ መንገዲ ሸዓራይም ክሳዕ ጌትን ክሳዕ ኣቃሮንን ተወጊኦም ወደቑ።


ሽዑ ንታቦት እግዚኣብሄር ናብ ኣስቀሎና ሰደድዎ። እቲ ታቦት ኣምላኽ ናብ ኣስቀሎና ምስ መፀ፥ እቶም ኣስቀሎናውያን “ንኣናን ንህዝብናን ምእንቲ ኽቐትሉናስ፥ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ኣምፂኦምልና” ኢሎም ኣእወዩ።


ልኡኻት ሰዲዶም ከዓ ንዅሎም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ኣኪቦም፥ “ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ንግበሮ” በሉ። ንሳቶም ከዓ “ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ናብ ጌት ይኺድ” በሉ። ስለዙይ ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል ናብኡ ኣግለስዎ።


እተን ፍልስጥኤማውያን ካብ ደቂ እስራኤል ወሲዶምወን ዝነበሩ ኸተማታት ድማ፥ ካብ ኣስቀሎና ክሳዕ ጌት፥ ናብ ደቂ እስራኤል ተመለሳ፤ ንወሰነን ከዓ ደቂ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣድሓንወን። ኣብ መንጎ እስራኤልን ኣብ መንጎ ኣሞራውያንን ድማ ዕርቂ ነበረ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos