Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 15:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 ካብ በዓላ ንምዕራብ ድማ እቲ ወሰን ንእምባ ሴይር ይዘውር፤ ናብ ሰሜናይ ፀግዒ እምባ የዓሪም ከዓ ይሓልፍ፤ ንሱ ክሳሎን እዩ፤ ንቤትሳሜስ ወሪዱ ድማ ናብ ቲምና ይሓልፍ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 15:10
12 Referencias Cruzadas  

ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ህዝብን፥ ነቲ ብስም እቲ “ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዝነብር ጐይታ ሰራዊት” ዝፅዋዕ ታቦት እግዚኣብሄር ኣብ ይሁዳ ኻብ ዘላ ኻብ በኣል ተልዒሎም ከምፅእዎ ኸዱ።


ኣሜስያስ ግና ኣይሰምዖን። ሽዑ ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ምስ ሰራዊቱ ደየበ እሞ፥ ንሱን ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳን ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ቤት ሳሚስ ተዋግኡ።


ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ከተማታት ቈላ ይሁዳን ኣብ ደቡባን ኣትዮም ንኸተማታት ቤትሳሚስን ኤሎንን ግዴሮትን፥ ከምኡውን ንኸተማታት ሶኮን ተምናን ጊምዞንን መምስ ቁሸታተን ሓዝወን፤ ኣብኣተን ድማ ተቐመጡ።


እቲ ወሰን ከዓ ብሰሜን ፀግዒ ኣስቀሎና ይወፅእ። እቲ ወሰንውን ናብ ሽክሮን ኣቢሉ ይዘውር፤ ብእምባ በዓላ ድማ ይሓልፍ፤ ናብ የብንኤል ይወፅእ፤ እቲ ወሰን ከዓ ናብ ጥቓ ዓብዪ ባሕሪ ይወፅእ።


ቃይን ጊብዓ ተምና። ኵለን ዓሰርተ ኸተማታትን ቍሸታተንን


ዪርኦንን ሚግዳልኤልን ሖሬምን ቤትዓናትን ቤትሳሜስን፥ ኵለን ዓሰርተ ትሽዓተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።


ዓይን ምስ መዋፈሪኣ፥ ዮጣህ ምስ መዋፈሪኣ፥ ቤትሳሜስ ድማ ምስ መዋፈሪኣ፥ ብምሉአን ካብዞም ክልተ ነገዳት እዚኣቶም ትሽዓተ ኸተማታት ሃብዎም።


ሶምሶን ናብ ተምና ወረደ፤ ኣብ ተምና ኸዓ ኻብ ኣጓላት ፍልስጥኤማውያን ሓንቲ ጓል ረአየ።


ሽዑ ሶምሶንን ኣቦኡን እኖኡን ናብ ተምና ወረዱ፤ ናብቲ ኣብ ተምና ዘሎ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ በፅሐ ድማ፥ ሽደን ኣንበሳ እናጓዘመ መፆ።


ናበይ ከም ዝኸይድ ድማ ረአይዎ። ናብ ሃገሩ ዝወስድ መንገዲ ሒዙ ናብ ቤት ሳሚስ እንተ ደየበ፥ ሽዑ እዝ ብርቱዕ መቕፃዕቲ እዙይ ዘውረደልና እግዚኣብሄር እዩ፤ እንተ ዘይኮነ ግና፥ እዝ መዓት እዙይ ባዕሉ ዝኾነ እምበር፥ ዝወቕዐና ናቱ ኢድ ከም ዘይኮነ ኽንፈልጥ ኢና።”


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos