8 እቶም ምሳይ ደዪቦም ዝነበሩ ኣሕዋተይ ንልቢ እቲ ህዝቢ ብፍርሒ ኸም ዝርዕድ ገበርዎ፤ ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ብምሉእ ልበይ ኣመንክዎ።
እቶም ምስ ካሌብ ደዪቦም ዝነበሩ ሰባት ግና “እቶም ህዝቢ ኻባና ዝሕይሉ ስለ ዝኾኑ፥ ክንስዕሮም ኣይንኽእልን ኢና” በሉ።
በታ ለይቲ እቲኣ ዅሎም ማሕበር እስራኤል ቃሎም ዓው ኣቢሎም እናበኸዩ ሓደሩ።
ንባርያይ ካሌብ ግና፥ ካልእ መንፈስ ስለ ዝነበሮ፥ ፈፂሙውን ስለ ዝተኸተለኒ፥ ናብታ ኣትዩዋ ዝነበረ ሃገር ከእትዎ እየ፤ ዘርኡውን ክወርስዋ እዮም።
ንሕና እሞ ናበይ ክንድይብ? እቶም ህዝቢ ብዙሓት እዮም፤ ቁመቶምውን ካባና ዝነውሑ እዮም። እተን ከተማታት ድማ ዓበይትን ክሳዕ ሰማይ ዝበፅሓን ዝተዓረዳን እየን፤ ንደቂ ዔናቅውን ኣብኡ ረአናዮም፥ ኢሎም ኣሕዋትና ንልብና ኣፍርሕዎ’ በልኩም።
ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ጥራሕ እዩ ዝኣትዋ። ንሱ ኽሪኣ እዩ፤ ብምሉእ ልቡ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣሚኑኒ እዩ እሞ እታ ኽስልያ ዝረገፃ ምድሪ፥ ንእኡን ንደቁን ክህቦም እየ’ ኢሉ ኸዓ መሓለ።
ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ቄኔዛዊ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብምሉእ ልቡ ስለ ዝተኸተሎ፥ ኬብሮን ክሳዕ ሎሚ ርስቱ ኾይና ኣላ።
እዚኣቶም፥ ምስ ኣንስትውን ዘይረኸሱ ደናግል እዮም። ንሳቶም ነቲ በጊዕ ናብ ኵሉ ዝኸዶ ይኽተልዎ። ንሳቶም፥ ንኣምላኽን ነቲ በጊዕን በዅራት ምእንቲ ክኾኑ፥ ካብ ደቂ ኣዳም ዝተቤዘዎም እዮም።