5 ደቂ እስራኤል፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ፤ ነታ ምድሪ እውን ተማቐልዋ።
ደቂ እስራኤል ከዓ ኸይዶም ከምኡ ገበሩ፤ ልክዕ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ።
ኢያሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሴሎ ዕፃ ኣውደቐሎም፤ ነታ ሃገር ድማ ንደቂ እስራኤል ከከም ክፍሊ ነገዶም ገይሩ መቐሎም።
ኣብ ሴሎ ኣብ ምድሪ ከነዓን “ንሕና እንነብረለን ከተማታትን፥ ከባቢአንን ንእንስሳናውን ዝኸውን መዋፈሪ ቦታ ኽህቡና፥ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ኣዚዙ እዩ” በልዎም።