4 እዙይ ከዓ ደቂ ዮሴፍ፥ ነገድ ምናሴን ነገድ ኤፍሬምን ተብሂሎም ኣብ ክልተ ስለ ዝተመቕሉ እዩ። ንሌዋውያን ግና፥ ብዘይ እተን ዝነብሩለን ከተማታት ምስተን ንኸብቶምን ንጥሪቶምን መውፈሪ ዝኾና ኸባቢአን፥ ኣብታ ምድሪ ግደ ኣይሃቦምን።
ዮሴፍ ድማ፥ “ኣምላኽ፥ ኵሉ መከራይን ኵሉ ቤት ኣቦይን ከም ዝርስዕ ገይሩኒ እዩ” እንትብል፥ ንበዅሪ ወዱ “ምናሴ” ኢሉ ሰመዮ።
ነቲ ኻልኣይ ድማ፥ “እግዚኣብሄር መከራ ኣብ ዝተቐበልኩላ ምድሪ ኣፍረየኒ ኢሉ ኤፍሬም” በሎ።
ንዮሴፍ ከዓ ኣብ ምድሪ ግብፂ፥ ኣስናት ጓል ጶጥፌራ ኻህን ከተማ ሄልዮት ዝወለደትሉ፥ ምናሴን ኤፍሬምን እዮም።
ድሕሪ ቑሩብ እዋን ንዮሴፍ “እንሆ፥ ኣቦኻ ሓሚሙ” በልዎ። ዮሴፍ ከዓ ንኽልቲኦም ደቁ፥ ንምናሴን ኤፍሬምን፥ ሒዝዎም ከደ።
“ሕዚ ኸዓ እቶም ኣነ ናባኻ ናብ ግብፂ እንተይመፃእኹ፥ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዝተወለዱልካ ኽልቲኦም ደቅኻ ናተይ እዮም። ኤፍሬምን ምናሴን ከም ሮቤልን ስምኦንን ናተይ እዮም።
ብድሕሪኦም እትወልዶም ውሉድ ግና ንኣኻ ይኹኑ። ኣብ ርስቶም ከዓ ብስም ኣሕዋቶም ኤፍሬምን ምናሴን ይሰመዩ።
ሕዝቅያስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ኢየሩሳሌም ክመፁ እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ፋሲካ ኸብዕሉ ኢሉ፥ ናብ ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን ይሁዳን ለኣኸ፤ ናብ ኤፍሬምን ምናሴን ከዓ መልእኽቲ ፀሓፈ።
እቶም ካብ ዓሌት ደቂ ምናሴን ኤፍሬምን ዝተወለዱ ዓሌታት ዮሴፍ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦
ደቂ ዮሴፍ፥ ምናሴን ኤፍሬምን፥ ርስቶም ወሰዱ።