12 ሕዚ ኸዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ እቲኣ ዘተናገሮ፥ እዝ ደጕዓ እዙይ ሃበኒ። ደቂ ዔናቅ ኣብኡ ኸም ዝነብሩ፥ ዓበይትን ዕሩዳትን ከተማታት ድማ ኸም ዘለዋኦም፥ ንስኻ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰሚዕኻ ኢኻ፤ እግዚኣብሄር ምሳይ እንተ ደኣ ኾይኑ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸሳጕጎም እየ።”
ንጉስ ኣሶር ንራፋስቂስ ልኢኹ እቲ ዅሉ ንህያው እግዚኣብሄር ዝፀረፎ ፀርፊ፥ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ሰሚዑ፥ ኣምላኽካ እግዚኣብሄርውን ስለ እቲ ዝሰምዖ ቓል እንተ ገሰፆ፥ ምእንቲ እዝ ተረፍ ፀሎት ግበር’ ” በልዎ።
ኣሳ ድማ፦ “ኦ ጐይታ! ብብዝሒ ኾነ ብውሑድ ምድሓን ይከኣለካ እዩሞ፥ ኦ ኣምላኽና ብኣኻ ኢና ተኣሚንና ዘለናሞ፥ ብስምካውን ነዝ ጭፍራ እዙይ ክንዋግኦ መፂእና ኢናሞ ርድአና። ኦ እግዚኣብሄር! ንስኻ ኢኻ ኣምላኽና፤ ሰብውን ኣይስዓርካ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣእወየ።
ፈቲኻዮም ኢኻሞ፥ የማናይ ኢድካን ብርሃን ገፅካን እዩ እምበር፥ ብሰይፎም ንምድሪ ኣይወረሱን፤ ቅልፅሞምውን ኣየድሓኖምን፤
ብእግዚኣብሄር ሓይሊ ንገብር፤ ንሱውን ንዘጨንቑና ኸዋርዶም እዩሞ።
ኣብታ ምድሪ ዝነብር ህዝቢ ግና ሓያል እዩ፤ እተን ከተማታት ከዓ ዝተዓረዳን የመና ዓበይትን እየን፤ ኣብኡ ድማ ደቂ ዔናቅ ረአና።
ኣብኣ ድማ እቶም ገዘፍቲ ዝኾኑ ካብ ወገን ኔፊሊም ዝኾኑ ኔፊሊም ደቂ ዔናቅ ረአና፤ ንሕና ኸም ኣንበጣ ኣናእሽተይ ኾንና፤ ኣብ ኣዒንቶም ከዓ ኸምኡ ኾንና።”
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንእኡን ንዅሉ ሰራዊቱን ንምድሩን፥ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ሂበካ እየ እሞ ኣይትፍርሓዮ። ከምቲ ነቲ ኣብ ሓሴቦን ዝነበረ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን ዝገበርካዮ፥ ከምኡ ግበሮ” በሎ።
እምበኣር ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ፥ እንታይ ክንብል ኢና? እግዚኣብሄር ምሳና ኻብ ኮነኸ፥ መን እዩ ዝቃወመና?
ንሕና እሞ ናበይ ክንድይብ? እቶም ህዝቢ ብዙሓት እዮም፤ ቁመቶምውን ካባና ዝነውሑ እዮም። እተን ከተማታት ድማ ዓበይትን ክሳዕ ሰማይ ዝበፅሓን ዝተዓረዳን እየን፤ ንደቂ ዔናቅውን ኣብኡ ረአናዮም፥ ኢሎም ኣሕዋትና ንልብና ኣፍርሕዎ’ በልኩም።
“ኦ እስራኤል! ስምዑ፤ ሎሚ ንስኻትኩም ንዮርዳኖስ ክትሳገሩ ኢኹም፤ ካባኻትኩም ንዝዓብዩን ንዝሕይሉን፥ ክሳዕ ሰማይ ዝበፅሕ ዕርድታት ዘለወን ዓበይቲ ኸተማታት ንዘለዋኦም ኣህዛብውን ክትወርስዎም ኢኹም።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝባላዕ ሓዊ ኾይኑ ቐቅድሜኹም ከም ዝሓልፍ፥ ሎሚ ፍለጡ። ንሱ ኸጥፍኦም እዩ፤ ኣብ ቅድሜኹምውን ከዋርዶም እዩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝነግረኩም ክተሳጕጉዎም፥ ቀልጢፍኩም ድማ ኽተጥፍእዎም ኢኹም።
በቲ ሓይሊ ዝህበኒ ክርስቶስ፥ ንዅሉ ኽገብሮ እኽእል እየ።
ንሳቶም ብእምነት ንመንግስታት ሰዓሩ፤ ብቕንዕና መርሑ፤ እግዚኣብሄር ዘተስፈዎም ረኸቡ፤ ኣፍ ኣናብስ ዓፀዉ፤
ካሌብ ድማ ንሰለስቲኦም ደቂ ዔናቅ፥ ንሴሲንን ንኣኪመንን ንተላሚንን፥ ካብ ኬብሮን ኣውፅኦም።
ንካሌብ ድማ፥ ከምቲ ሙሴ ዘተስፈዎ ንኬብሮን ሃብዎ፤ ንሱ ኸዓ ንሰለስቲኦም ደቂ ዔናቅ ካብኣ ኣልቀቖም።
ዮናታን ድማ ነቲ ኣፅዋሩ ዝስከም መንእሰይ “እግዚኣብሄር ብብዙሓት ኮነ ብውሑዳት ገይሩ ኸድሕን ይኽእል እዩ እሞ፥ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ይሕግዘና ይኸውን፥ ንዓናይ፥ ናብ ጭፍራ እዞም ዘይግሩዛት ሰባት ንሳገር” በሎ።