11 ሎሚ ሓይለይ ከምቲ ሙሴ ኽልእኸኒ እንተሎ መዓልቲ ዝነበሮ እዩ። ንውግእ ንምውፃእ ኾነ ንምእታው ሓይለይ ከምቲ ሽዑ ዝነበሮ እዩ።
ንድሌትኪ ብበረከቱ ዘፅግባ፥ ንንእስነትኪውን ከም ንስሪ ይሕድሳ።
መዋእል ዕድሜና ሰብዓ ዓመት፥ እንተ በዝሐ ኸዓ ሰማንያ ዓመት እዩ፤ ካብኡ እንተ በዝሐ ግና ድኻምን መከራን እዩ፤ ካባና ቐልጢፉ ይሓልፍ፤ ንሕናውን ንግሰፅ ኢናሞ።
እቶም ንእግዚኣብሄር ተኣማሚኖም ዝፅበዩ ግና፥ ሓይሎም ይሕድሱ፤ ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፤ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፤ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።
“ኣነ ሎሚ ወዲ ሚእትን ዕስራን ዓመት እየ፤ ደጊም ክወፅእን ክኣቱን ኣይክእልን። እግዚኣብሄር ድማ ‘ነዝ ዮርዳኖስ ኣይትሳገሮን ኢኻ’ ኢሉኒ እዩ።
ኣሳእንካ ሓፂንን ነሃስን ይኹን፤ ሓይልኻ ድማ ኸም ምሉእ ዕድሜኻ ይኹን።”
ሙሴ ኽመውት እንተሎ፥ ወዲ ሚእትን ዕስራን ዓመት ነበረ፤ ምስ እዝ ዅሉ ግና ኣዒንቱ ኣይፈዘዛን፤ ሓይሉ እውን ኣይደኸመን ነበረ።
“ሕዚ ድማ እንሆ፥ እግዚኣብሄር እዝ ቓል እዙይ ንሙሴ ኻብ ዝነግሮ ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ሽዑ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ምድረ በዳ ኾለል ይብሉ ነበሩ። እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ዝተናገረኒ ኽሳዕ ሕዚ ኣፅኒሑኒ ኣሎ። እነሆ፥ ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያን ሓሙሽተን ዓመት ኮይነ ኣለኹ።