Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 13:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 ነገድ ሮቤልን ነገድ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን፥ ከምቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝሃቦም፥ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ርስቶም ተቐበሉ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 13:8
11 Referencias Cruzadas  

ርስትናስ ካብ ፈለገ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ በፂሑና እዩ እሞ፥ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ንየው ምስኣቶም ርስቲ ኣይንወርስን” በሉ።


“ነታ ኻብ ፈለግ ኣርኖን ክሳዕ እምባ ኣርሞንዔም፥ ኣብ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዝነበረት ሃገር፥ በታ ጊዜ እቲኣ ኻብ ኢድ ክልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን ወሰድናያ።


እቶም ደቂ እስራኤል ዝሰዓርዎም እሞ ምድሮም ከዓ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ብምብራቕ ፀሓይ፥ ካብ ሩባ ኣርኖን ክሳዕ እምባ ኣርሞንኤም፥ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ዅሉ ጐላጕል ድማ ዝወረስዎም ነገስታት እዚኣቶም እዮም፦


ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴን ደቂ እስራኤልን ነዚኣቶም ሰዓርዎም፤ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ ድማ ነታ ምድሮም፥ ንነገድ ሮቤልን ንነገድ ጋድን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ርስቲ ገይሩ ሃቦም።


እምበኣር እዛ ምድሪ እዚኣ ንትሽዓቲኦም ነገድን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ርስቲ ጌርካ ምቐላ።”


እታ ምድሪ ኻብታ ኣብ ገምገም ሩባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር፥ ካብታ ኣብ ማእኸል ሩባ ዘላ ኸተማ ኸዓ ዅሉ ጐልጐል ሜድባ ኽሳዕ ዲቦን ትበፅሕ ነበረት።


ሕዚ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ነሕዋትኩም ዝተዛረቦም ዕረፍቲ ሂብዎም እዩ እሞ፥ ተመሊስኩም ናብ ድንኳናትኩም ናብታ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ርስቲ ኺዱ።


ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴንውን፥ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፥ ኣፅዋር ሒዞም ቀቅድሚ ደቂ እስራኤል ተሳገሩ።


ገሊኣቶም ዕብራውያን ከዓ ንዮርዳኖስ ተሳጊሮም ናብ ምድሪ ጋድን ገለዓድን ከዱ። ሳኦል ግና ገና ኣብ ጌልገላ ነበረ፤ ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ኸዓ ብፍርሒ እናንቀጥቀጡ ተኸተልዎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos