7 እምበኣር እዛ ምድሪ እዚኣ ንትሽዓቲኦም ነገድን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ርስቲ ጌርካ ምቐላ።”
ሃገራት ኣህዛብውን ሃቦም፤ ንናይ ባዕዲ ድኻምውን ወረሱ።
ህዝቢ እስራኤል ክመፁ እንተለዉ፥ ንኣህዛብ ካብ ቅድሚኣቶም ኣባረሮም፤ ንርስቱውን ብገመድ ኣካፈሎም። ንህዝቢ እስራኤልውን ኣብ ኣባይቶም ኣንበረ።
እምበኣርከስ ነታ ምድሪ ርስቲ ኽትኮነኩም፥ ብዕፃ ኽትማቐልዋ እንተለኹም፥ ካብታ ምድሪ እተቐደሰ ኽፍሊ፥ ንእግዚኣብሄር መባእ ክተቕርቡ ኢኹም፤ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ እመት፥ ወርዳ ኸዓ ዓሰርተ ሽሕ እመት ክኸውን፥ ኣብ ዙርያኣ ብዅሉ ወሰናውን ቅድስቲ ኽትከውን እያ።
ነታ ምድሪ በብዓሌትኩም ብዕፃ ተማቐልዋ። ነቶም ብዙሓት ገፊሕ ርስቲ ሃብዎም፤ ነቶም ውሑዳት ድማ ፀቢብ ርስቲ ሃብዎም። ነፍሲ ወከፍ እታ ዕፃኡ ዝበፅሐቶ ርስቱ ትኸውን፤ ከከም ነገድ ኣቦታትኩም ውረሱ።”
ሙሴ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ ርስቲ ምእንቲ ኽትኮነኩም ነዛ ምድሪ እዚኣ ዕፃ ኣውዲቕኩም ተማቐልዋ። እግዚኣብሄር ንትሽዓተ ነገድን ፈረቓን ክትወሃብ ዝኣዘዘ እዚኣ እያ።
ንዅሎም ካብ ሊባኖስ ክሳዕ ሚስረፎት ማይም ኣብ ደጕዓ ዝነብሩ ሲዶናውያን፥ ኣነ ኻብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ክሰጎም እየ። ንስኻ ኸዓ ኸምቲ ዝኣዘዝኩኻ፥ እታ ምድሪ ንእስራኤል ርስቲ ጌርካ ኣካፍሎም።
ነገድ ሮቤልን ነገድ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን፥ ከምቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝሃቦም፥ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ርስቶም ተቐበሉ።
ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ነቶም ትሽዓተ ነገድን ፍርቂ ነገድን ረርስቶም ብዕፃ ኣካፈልዎም።