6 ንዅሎም ካብ ሊባኖስ ክሳዕ ሚስረፎት ማይም ኣብ ደጕዓ ዝነብሩ ሲዶናውያን፥ ኣነ ኻብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ክሰጎም እየ። ንስኻ ኸዓ ኸምቲ ዝኣዘዝኩኻ፥ እታ ምድሪ ንእስራኤል ርስቲ ጌርካ ኣካፍሎም።
ተኽሊ ወይኒ ካብ ግብፂ ኣምፃእኻ፤ ንኣህዛብ ሰጒጕካ ድማ ንኣኣ ተኸልካያ።
ነታ ምድሪ በብዓሌትኩም ብዕፃ ተማቐልዋ። ነቶም ብዙሓት ገፊሕ ርስቲ ሃብዎም፤ ነቶም ውሑዳት ድማ ፀቢብ ርስቲ ሃብዎም። ነፍሲ ወከፍ እታ ዕፃኡ ዝበፅሐቶ ርስቱ ትኸውን፤ ከከም ነገድ ኣቦታትኩም ውረሱ።”
“እታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ፥ ንስኻ ነዝ ህዝቢ እዙይ ክተውርሶ ኢኻ እሞ፥ ፅናዕ፤ ትባዕ።
ንሱ ንዅለን ከተማታት እዞም ነገስታት እዚኣቶምን ንዅሎም ነገስታተንን ሓዘ፤ ከምቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝኣዘዞ ኸዓ፥ ብስሕለት ሰይፊ ወቒዑ ፈፂሙ ኣጥፍኦም።
እግዚኣብሄር ድማ ንፀላእቶም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ደቂ እስራኤል ከዓ ሰዓርዎም፤ ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶና፥ ክሳዕ ማሴሮን፥ ብወገን ምብራቕውን ክሳዕ ለሰ ምፅጳ ኣሳጐጕዎም። ሓደ እኳ እንተየትረፉ ቐተልዎም።
እምበኣር እዛ ምድሪ እዚኣ ንትሽዓቲኦም ነገድን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ርስቲ ጌርካ ምቐላ።”
ካብዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ፅብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ እትፈልሱ፥ ንኣኻትኩም መሐንኰልን መፃወድያን፥ ንእንግዳዕኹም መግረፊ፥ ነዒንትኹም ከዓ እሾዅ ክኾኑኹም እዮም እምበር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ደጊም ካብ ቅድሜኹም ከም ዘየውፅኦም፥ ብርግፅ ፍለጡ።
ረአዩ! ንምድሪ እዞም ተሪፎም ዘለዉ ኣህዛብ እዚኣቶምን ንምድሪ እዞም ዘጥፋእኽዎም ኵሎም ኣህዛብን ካብ ዮርዳኖስ ክሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ብወገን ምዕራብ ፀሓይ፥ ንነገዳትኩም ርስቲ ብዕፃ ኸፈልኩልኩም።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኻብ ቅድሜኹም ክሰጎም፥ ካብ ቅድሜኹም ከዓ ኸርሕቖም እዩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝተዛረበኩም ድማ፥ ምድሮም ክትወርሱ ኢኹም።