4 ብደቡብ ድማ ዅሉ ምድሪ ከነዓናውያን፥ ሜዓራ ናይ ሲዶናውያንውን ክሳዕ ኣፌቅ፥ ክሳዕ ወሰን ኣሞራውያን፥
በታ ኻልአይቲ ዓመት ድማ ወልደ ኣዴር ንሶርያውያን ኣኽተቶም፤ ምስ እስራኤል ክዋጋእ ከዓ ናብ ኣፌቅ ደየበ።
እቶም ዝተረፉ ግና ናብ ኣፌቅ ናብታ ኸተማ ሃደሙ። ነቶም ዝተረፉ ዕስራን ሸውዓተን ሽሕ ሰባት ከዓ መካበብያ ወደቖም። ወልደ ኣዴር ድማ ሃዲሙ ኣብታ ኸተማ ተሓብአ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንኢየሩሳሌም ከምዙይ ይብል ኣሎውን በላ፦ “ዘርእኽን ትውልድኽን ካብ ምድሪ ከነዓናውያን እዩ፤ ኣቦኺ ኣሞራዊ እዩ፤ እኖኺ ኸዓ ኬጢያዊት እያ።
ምድሪ እቲ ኣሞራዊ ምእንቲ ኽትወርሱ፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ኣርብዓ ዓመት ድማ፥ ኣብ ምድረ በዳ መራሕኩኹም።
በዝ ኸምዙይ ኢያሱ ንዅላ እታ ምድርን፥ ነቶም ኣብ ደጕዓን ደቡብን ቈላን ጎቦታትን ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ቀተሎም። ሓደ እኳ ኣየትረፈን፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝኣዘዞ፥ እስትንፋስ ንዘለዎ ዅሉ ፈፂሙ ኣጥፍኦ።
ከምኡውን ብምብራቕን ብምዕራብን ናብ ዝነበሩ ከነዓናውያን፥ ኣብ ደጕዓ ናብ ዝነበሩ ኣሞራውያንን ኬጢያውያንን ፈሪዛውያንን ኢያቡሳውያንን ኣብ እግሪ እምባ ኣርሞንኤም ኣብ ምድሪ ምፅጳ ናብ ዝነበሩ ኤዋውያንን ለኣኸ።
ንጉስ ኣፌቅ፥ ንጉስ ለሸሮን፥
ዑማን ኣፌቅን ረኣብን፥ ኵለን ዕስራን ክልተን ከተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።
ቃል ሳሙኤል ከዓ ኣብ ኵሉ እስራኤል ተሰምዐ። ደቂ እስራኤል ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ክዋግኡ ወፁ፤ ኣብ ጥቓ ኣቤንዔዘርውን ሰፈሩ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ኣፌቅ ሰፈሩ።