32 እተን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ብወገን ምብራቕ ኢያሪኮ፥ ኣብ ጐልጐል ሞኣብ፥ ሙሴ ርስቲ ዘካፈሎም፥ እዚኣተን እየን፤
ፍርቂ ገለዓድ፥ ኣብ ባሳን ዝርከባ ኸተማታት መንግስቲ ዓግ ዝሓውስ ኣስታሮትን ኤድሬዒን እዩ። እዙይ ንፍርቂ ደቂ ማኪር ወዲ ምናሴ ኸከም ዓሌቶም ተውሃበ።
ንነገድ ሌዊ ግና፥ ከምቲ ዝበሎም፥ ርስቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ስለ ዝኾነ ሙሴ ርስቲ ኣይሃቦምን።
ሙሴ ነቶም ክልተ ነገድን ፍርቂ ነገድን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ርስቲ ሂብዎም ነበረ፤ ንሌዋውያን ግና ኣብ መንጎኣቶም ርስቲ ኣይሃቦምን።