30 ወሰኖም ካብ መሃናይም ባሳን ብምሉኡ፥ ኵሉ መንግስቲ ዓግ ንጉስ ባሳን፥ ኵለን ዓድታት ናይታ ኣብ ባሳን ዘላ ያኢር፥ ስሳ ኸተማታት፥
ያእቆብ ድማ፥ ኣብ ሃገር ኤዶምያስ ኣብ ምድሪ ሴይር ናብ ዝነብር ሓዉ ኤሳው ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ።
ተመሊሶም ድማ ብመንገዲ ባሳን ኣቢሎም ደየቡ። ኣግ ንጉስ ባሳን ከዓ ምስ ኵሎም ሰራዊቱ ኣብ ኤድራይ ክዋግኦም ወፀ።
ኵሉ እቲ ንጉስ ዓግ ዝገዝኦ ናይ ባሳን ምድሪ ሓዝናዮ፤ ኣብ ደጕዓ ዘለዋ ኸተማታትን ናይ ገለዓድን ናይ ባሳንን ክፍለ ሃገር ክሳዕ ከተማታት ሰልካናን ኤድራይን ሓዝናየን።
በታ ጊዜ እቲኣ ነታ ኣብ ባሳን ዘላ ምድሪ ኣርጎብ እትብሃል ግዝኣት ዓግ ምስ ኵለን ከተማታታ ሓዝናያ፤ ካብተን ስሳ ኸተማታቱ ዘይሓዝናያ ቦታ ኣይነበረትን።
ካብ ሓሴቦን ድማ ኽሳዕ ራማት ሚፅጴን በጦኒምን፥ ካብ መሃናይም ከዓ ኽሳዕ ወሰን ዳቤር ነበረ።
ሙሴ ንፍርቂ ነገድ ምናሴውን ከከም ዓሌቶም ርስቲ ሃቦም።
ካብ ነገድ ጋድ ድማ እታ ሰብ ዝቐተለ ዝዕቈበላ ኣብ ገለዓድ ዘላ ኸተማ ራሞት ምስ መዋፈሪኣ፥ መሃናይም ምስ መዋፈሪኣ፥