Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 13:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ካብታ ኣብ ቅድሚ ግብፂ ዘላ ሺሖር ንሰሜን ከዓ ኽሳዕ እታ ምስ ምድሪ ከነዓን እትቝፀር ወሰን ኣስቀሎና፥ ናይቶም ዔዋውያን ዝነበሩ፥ ኣብ ጋዛ፥ ኣብ ኣዛጦን፥ ኣብ ኣስቀሎና፥ ኣብ ጌት፥ ኣብ ኣስቀሎና ናይ ዝገዝኡ፥ ናይ ሓሙሽተ ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ምድሪ እያ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 13:3
18 Referencias Cruzadas  

ደቂ ካም፦ ኵሽ፥ ምፅራይም፥ ፉጥ፥ ከነዓን እዮም።


በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስ ኣብራም “እዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ሩባ ግብፂ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ፥


በታ ጊዜ እቲኣ ሰሎሞንን ህዝቢ እስራኤልን፥ ካብ መእተዊ ሓማት ጀሚሩ ኽሳዕ ሩባ ግብፂ ዘሎ ዓብዪ ጉባኤ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ኣብዓሉ።


ዳዊት ነቲ ታቦት ኣምላኽ ካብ ቂርያት የዓሪም ምእንቲ ኸምፅኦ ኸዓ፥ ካብ ሩባ ሲሖር ናይ ግብፂ ጀሚሩ፥ ክሳዕ መእተዊ ሓማት ንዝነበሩ ዅሎም ደቂ እስራኤል ኣከቦም።


ብብዙሕ ማያት ሰጊሩ እኽሊ ሒሾርን ቀውዒ ኣባይን እቶት ጢሮስ ነበረ። ንሳውን ዕዳጋ ኣህዛብ ኮይና ነበረት።


ካብ ማይ ሲሆር ክትሰትዪ፥ ብመንገዲ ግብፂ እንታይ ጉዳይ ኣለኪ? ካብ ፈለግ ኤፍራጥስ ማይ ክትሰትዪኸ፥ ብኣሶር መንገዲ እንታይ ኣለኪ?


ነቶም ኣብተን ክሳዕ ጋዛ ዝበፅሓ ዘለዋ ዓድታት ሰፊሮም ዝነበሩ ዓዋውያን ድማ፥ ካብ ከፍቶር ዝወፁ ኮፍቶራውያን ኣጥፍእዎም፤ ኣብቲ ቦታኣቶም ድማ ተቐመጡ።)


ንጌሹራውያንን ንመዓካታውያንን ግና ደቂ እስራኤል ኣየውፅእዎምን እሞ ጌሹርን ማዓካትን ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ማእኸል እስራኤል ይቕመጡ ኣለዉ።


እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ድማ ናብኣ ኸይዶም “ኣሲርና ኽነድክሞስ ከመይ ጌርና ኸም እነሰንፎ፥ እቲ ዓብዪ ሓይሉውን ብምንታይ ምዃኑ ኽትፈልጢ ሓባብልዮ፤ ንሕና ኸዓ ነፍሲ ወከፍና ሽሕን ሚእትን ቅርሺ ብሩር ክንህበኪ ኢና” በልዋ።


ሓሙሽቲኦም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን፥ ኵሎም ከነዓናውያን፥ ሲዶናውያን፥ እቶም ኣብ እምባታት ሊባኖስ፥ ኣብ እምባ በዓል ሄርሞን ክሳዕ መእተዊ ሓማት ዝነብሩ ኤዋውያን።


ፍልስጥኤማውያን ድማ ንታቦት እግዚኣብሄር ካብ ኤብንዔዘር ወሲዶም ናብ ኣዛጦን ኣምፅእዎ።


ሽዑ ንታቦት እግዚኣብሄር ናብ ኣስቀሎና ሰደድዎ። እቲ ታቦት ኣምላኽ ናብ ኣስቀሎና ምስ መፀ፥ እቶም ኣስቀሎናውያን “ንኣናን ንህዝብናን ምእንቲ ኽቐትሉናስ፥ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ኣምፂኦምልና” ኢሎም ኣእወዩ።


ልኡኻት ሰዲዶም ከዓ ንዅሎም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ኣኪቦም፥ “ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ንግበሮ” በሉ። ንሳቶም ከዓ “ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ናብ ጌት ይኺድ” በሉ። ስለዙይ ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል ናብኡ ኣግለስዎ።


እቶም ፍልስጥኤማውያን ከዓ “እቲ መስዋእቲ በደል እንመልሰሉኸ ኸመይ ዝበለ እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎም። ንሳቶም ድማ ኸምዙይ በልዎም፦ “እቲ መዓት ንዅልኻትኩምን ንሹመኛታትኩምን ሓደ ዓይነት እዩ እሞ፥ ከም ቍፅሪ እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ብወርቂ ዝተሰርሐ ሓሙሽተ ምስሊ ሕበጥን፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ሓሙሽተ ምስሊ ኣናፁን ኣቕርቡ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos