28 እዘን ከተማታትን ዓድታትን እዚኣተን ከከም ዓሌቶም ርስቲ ደቂ ጋድ ነበራ።
ነገድ ጋድ ኣብ ገለዓድን ኣብ ባሳንን ኣብተን ኣብኡ ዘለዋ ዓድታትን ኣብ ኵሉ መዋፈሪታት ሳሮን ክሳዕ ወሰና ይቕመጡ ነበሩ።
ኣብቲ ለሰ ድማ እቲ ተረፍ መንግስቲ ሴዎን፥ ንጉስ ሓሴቦን ዝኾነ፥ ቤትሃራምን ቤትኒምራን ሱኰትን ፃፎንን ነበረ። እቲ ወሰን ብወገን ምብራቕ ሩባ ዮርዳኖስ ኮይኑ ኽሳዕ ወሰን ባሕሪ ገሊላ ይበፅሕ ነበረ።
ሙሴ ንፍርቂ ነገድ ምናሴውን ከከም ዓሌቶም ርስቲ ሃቦም።