23 ወሰን ደቂ ሮቤል ድማ ፈለግ ዮርዳኖስ ነበረ። እዘን ከተማታትን ዓድታትን እዚኣተን ከከም ዓሌቶም ርስቲ ደቂ ሮቤል ነበራ።
ኣሕሉቕ ነናይ ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም፦ ደቂ እቲ በዅሪ እስራኤል ዝኾነ ሮቤል፥ ሄኖህ፥ ፈሉስ፥ ኣስሮን ከርሚ እዮም። እዚኣቶም ዓሌት ሮቤል እዮም።
ኣብ ወሰን ኤፍሬም ድማ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ንሮቤል ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።
ደቂ እስራኤል ከዓ ንበለዓም ጠንቋሊ ወዲ ቢዖር ምስቶም ካልኦት ኣብ ውግእ ዝቐተልዎም ብሰይፊ ቐተልዎ።
ሙሴ ንደቂ ጋድ ከከም ዓሌቶም ዝሃቦም ርስቲ እዙይ እዩ፦