22 ደቂ እስራኤል ከዓ ንበለዓም ጠንቋሊ ወዲ ቢዖር ምስቶም ካልኦት ኣብ ውግእ ዝቐተልዎም ብሰይፊ ቐተልዎ።
ኣብ ልዕሊ ያእቆብ ኣስማት፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከዓ ጥንቘላ፥ ኣይሰርሕን እዩ። ብዛዕባ ያእቆብን እስራኤልን፥ ‘እግዚኣብሄር፥ ከመይ ዝበለ ግብሪ ገበረ’ ኽብሃል እዩ።
በለዓም ድማ ንደቂ እስራኤል ክባርኾም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፅቡቕ ከም ዝኾነ ምስ ረአየ፥ ገፁ ናብ ምድረ በዳ ኣቢሉ መለሰ እምበር ከምተን ቀዳሞት ጊዜያት ኣስማት ክደሊ ኣይከደን።
ሕዚ ኸዓ እንሆ ናብ ህዝበይ እኸይድ ኣለኹ። ግና በዘን ዳሕረዎት መዓልቲታት እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ንህዝብኻ ዝገብሮ ነዓ ኽነግረካ” በሎ።
ምስኣቶም ከዓ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ምድያም፥ ንኤዊን ሬቄምን ፁርን ሑርን ሬባዕን ቀተልዎም። ንበለዓም ወዲ ቢዖርውን ብሰይፊ ቐተልዎ።
ወሰን ደቂ ሮቤል ድማ ፈለግ ዮርዳኖስ ነበረ። እዘን ከተማታትን ዓድታትን እዚኣተን ከከም ዓሌቶም ርስቲ ደቂ ሮቤል ነበራ።
ነታ ቕንዕቲ መንገዲ ሓዲጎም ተጋገዩ፤ መንገዲ እቲ ዓስቢ ዓመፃ ዝፈተወ በለዓም ወዲ ባሶር ሰዓቡ።
ብመንገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፥ ምእንቲ ገንዘብ ብስሕተት በለዓም ስለ ዝወደቑ፥ ብኽሕደት ቆሬውን ስለ ዝዓመፁ፥ ጠፊኦም እዮም እሞ ወይለኦም!
እቲ ኣራዊት ተትሓዘ፤ እቲ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዝተቐበሉን፥ ንምስሉ ዝሰገዱን፥ ዘስሕቶም ተኣምራት ኣብ ቅድሚኡ ዝገብር ዝነበረ ሓሳዊ ነቢይውን፥ ምስኡ ተትሓዘ፤ ክልቲኦምውን ብህይወቶም እንተለዉ፥ ናብቲ ብዲን ዝነድድ ቃላይ ሓዊ ተደርበዩ።
እንተ ኾነ፥ ብሓድሓደ ነገራት እነቕፈካ ኣለኹ። ትምህርቲ በለዓም ዝሰዓቡ ሰባት ኣለዉኻ። በለዓም፥ እቲ ንደቂ እስራኤል መፈንጠር ክገብረሎም ኢሉ፥ ንጣዖት ዝተሰውአ ኸም ዝበልዑን፥ ከም ዝዝምዉን ምእንቲ ኽገብር፥ ንባላቅ ዝመኸሮ እዩ።