20 ቤት ፌጎርን ጎቦታት ፈስጋን፥ ቤትየሺሞትን፥
ስለዙይ እንሆ ኣነ ንግድሚ ሞኣብ፥ ብወገን ከተማታት ካብተን ብዅሉ ኸባቢኣ ዘለዋ ኸተማታት ክቡራት እታ ምድሪ፥ ካብ ቤት የሺሞት፥ ካብ በዓልሜዎን ካብ ቂርያታይም ክኸፍት እየ።
ስለዙይ ደቂ እስራኤል ንብዔልፌጎር ኣምለኹ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል ቍጥዓኡ ነደደ።
ኣብ ጥቓ ፈለግ ዮርዳኖስ፥ ካብ ቤትየሺሞት ክሳዕ ኣቤልሰጢም፥ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ሰፈሩ።
ብምዕራብ ከዓ ምስ ጐልጐል ዮርዳኖስ፥ ካብ ኪኔሬት ክሳዕ ባሕሪ ጨው፥ ኣብ እግሪ ጎቦታት ፈስጋ ይበፅሕ ነበረ።
ሽዑ ንሳቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ጥቓ ቤት ፌጎር ዘላ ለሰ፥ ኣብ ምድሪ ሴዎን ነበሩ። ሴዎን ኣብ ሓሴቦን ዝነበረ ንጉስ ኣሞራውያን፥ ሙሴን ደቂ እስራኤልን ካብ ግብፂ ምስ ወፁ ዝሰዓርዎ እዩ።
ከምኡ ድማ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ጐልጐል ክሳዕ ባሕሪ ገሊላ፥ ብወገን ምብራቕ ድማ ብመንገዲ ቤት ያሲሞት ክሳዕ ባሕሪ ጨው፥ ኻብ ባሕሪ ጨው ብደቡብ ድማ ኽሳዕ እግሪ ጎቦታት ፈስጋ ዝገዝእ ዝነበረ እዩ።
ቂርያታይምን ሲበማን እታ ኣብቲ ኣብ ለሰ ዘሎ ዀረብታ እትርከብ ፀሬት ሻሓርን፥
ኵለን ከተማታት ጐልጐልን ኵላ መንግስቲ እቲ ኣብ ሓሴቦን ነጊሱ ዝነበረ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያንን ምስቶም ሹመኛታት ሚድያን፥ ኤዊን ሬቀምን ፁርን ሑርን ሬባን፥ እቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ሹመኛታት ሴዎን፥ ሙሴ ዝሰዓሮም እዮም።