13 ንጌሹራውያንን ንመዓካታውያንን ግና ደቂ እስራኤል ኣየውፅእዎምን እሞ ጌሹርን ማዓካትን ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ማእኸል እስራኤል ይቕመጡ ኣለዉ።
እስራኤልውን ኣብታ ምድሪ እቲኣ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ሮቤል፥ ዕቅብቲ ኣቦኡ ናብ ዝኾነት ናብ ባላ ኣተወ። ያእቆብ ድማ ብዛዕባኡ ሰምዐ። ደቂ ያእቆብ ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
ደቂ ኣሞን ድማ ብዳዊት ከም ዝተፀልኡ ምስ ፈለጡ፥ ንደቂ ኣሞን ልኢኾም ካብቶም ኣብ ቤት ሬሖብን ኣብ ሶባን ዝነብሩ ሶርያውያን ዕስራ ሽሕ ኣጋር፥ ካብ ንጉስ መዓካውን ሽሕ ሰባት፥ ካብ ሰብ ጦብ ከዓ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ዕሱባት ብገንዘብ ቈፀሩ።
ካልኣዩ ኻብ ኣቢግያ፥ ሰበይቲ ናባል በዓል ቀርሜሎስ ዝነበረት፥ ዝተወለደ ዶሎሕያ፤ ሳልሳይ ካብ መዓካ ጓል ታልማይ ንጉስ ጌሹር ዝተወለደ ኣቤሴሎም፤
ነቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ እንተ ዘይሰጕጕኩምዎም ግና፥ “እቶም ካብኣቶም ዘትረፍኩምዎም፥ ኣብ ኣዒንትኹም እሾዅ፥ ኣብ ጐድኒኹም ከዓ ዳንዴር ክኾኑኹም እዮም፤ ኣብታ እትነብርዋ ሃገር ከጨንቑኹም እዮም።
ያኢር ወዲ ምናሴ፥ ነታ ኽሳዕ ወሰን ግሹራውያንን ማዓካታውያንን ዘላ ምድሪ ኣርጎብ፥ ንባሳን ሓዛ። ብስሙ ድማ ሰፈራት ያዒር ተብሂላ ኽሳዕ ሎሚ ትፅዋዕ ኣላ።
ንሱ ኣብ እምባ ኣርሞንኤምን ኣብ ሳልካን ኣብ ዅሉ ባሳንን ክሳዕ ወሰን ገሹራውያንን ማዓካታውያንን ኣብ ፈረቓ ገለዓድን፥ ክሳዕ ወሰን ሴዎን ንጉስ ሓሴቦን ዝገዝእ ዝነበረ እዩ።
ገለዓድን ወሰን ጌሹራውያንን መዓካታውያንን፥ ብምሉኡ እምባ ኣርሞንኤምን ኵሉ ባሳንድማ ኽሳዕ ሳልካ፥
ኵሉ መንግስቲ ዓግ ኣብ ባሳን፥ እቲ ኣብ ኣስታሮትን ኣብ ኤድሬዒን ዝነገሰ ነበረ። ዓግ ካብቶም ተረፍ ራፋውያን ዝተረፈ ነበረ። ሙሴ ድማ ነቲ ህዝቢ ስዒሩ መሬቶም ሓዘ።
ንነገድ ሌዊ ግና ርስቲ ኣይሃቦምን፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፥ ርስቶምስ እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።
ዳዊትን ሰባቱን ድማ ደዪቦም ንጌሹራውያንን ንጌርዛውያንን ንኣማሌቃውያንን ወረርዎም። ንሳቶም ካብ ጥንቲ ኣብታ ኻብታ ንሱር እትወስድ ክሳዕ ምድሪ ግብፂ ዘላ ሃገር ይቕመጡ ነበሩ።