10 ከምኡውን ኣብታ ምድሪ ዅለን ከተማታት ናይቲ ኣብ ሓሴቦን ክሳዕ ወሰን ደቂ ኣሞን ዝነገሰ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን፥
እዙይ ነቲ ኣብ ሓሴቦን ዝነበረ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያንን ነቲ ኣብ ኣስታሮት ኣብ ኤድረዒይ ዝነበረ ዓግ ንጉስ ባሳንን ምስ ሰዓሮም ዝኾነ እዩ።
ናብ ደቂ ኣሞን ምስ ቀረብኩም፥ ኣይትሃውኹዎም፤ ኣይትዋግኡዎምውን። ንደቂ ሎጥ ርስቲ ሂበዮም እየ። ስለዙይ ካብ ርስቲ ደቂ ኣሞን ሓደ እኳ ኣይህበኩምን እየ።
ገለዓድን ወሰን ጌሹራውያንን መዓካታውያንን፥ ብምሉኡ እምባ ኣርሞንኤምን ኵሉ ባሳንድማ ኽሳዕ ሳልካ፥
እታ ምድሪ ኻብታ ኣብ ገምገም ሩባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር፥ ካብታ ኣብ ማእኸል ሩባ ዘላ ኸተማ ኸዓ ዅሉ ጐልጐል ሜድባ ኽሳዕ ዲቦን ትበፅሕ ነበረት።