Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 12:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 እቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ወገን ምዕራብ፥ ኣብ ጐልጐል ሊባኖስ ካብ ዘላ በዓልጋድ ክሳዕ እቲ ናብ ሴይር ዘድይብ ዑና ዝኾነ እምባ ሃላቅ ዝነበሩ፥ ኢያሱን ደቂ እስራኤልን ዝሰዓርዎም ነገስታት እታ ሃገር እዚኣቶም እዮም። ኢያሱ ድማ እታ ምድሪ ንነገዳት እስራኤል ብምክፍፋል ርስቲ ገይሩ ሃቦም።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 12:7
16 Referencias Cruzadas  

ንሆራውያን ኣብ ኰረብታ ሴይር፥ ክሳዕ እታ ኣብ ጫፍ ምድረ በዳ ዘላ ኤል ፋራን፥ ሰዓርዎም።


ያእቆብ ድማ፥ ኣብ ሃገር ኤዶምያስ ኣብ ምድሪ ሴይር ናብ ዝነብር ሓዉ ኤሳው ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ።


ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ደቂ ሴይር ሖሪው ድማ፦ ሎጣን፥ ሶባል፥ ፅብኦን፥ ዓና፥


ሹም ዲሶን፥ ሹም ኤፅር፥ ሹም ዲሳን እዮም። እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ሴይር ዘለዉ ሹመኛታት ሖሪው እዮም።


ኤሳው ድማ፥ ኣብ እምባ ሴይር ተቐመጠ። ኤሳው ከዓ፥ ኤዶም እዩ።


ንሴዎን ንጉስ ኣሞራውያንን ንኣግ ንጉስ ባሳንን፥ ንዅሎም ነገስታት ከነዓንን ቀተለ።


“ካብኡ ተመሊስና ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበለኒ፥ ብመንገዲ ምብራቓዊ ባሕሪ ኤርትራ ኣቢልና ንምድረ በዳ ገፅና ተጕዓዝና። ንእምባ ሴይር ብዙሕ መዓልቲ ዞርናዮ።”


ነቶም ህዝቢ እውን ከምዙይ ኢልካ ኣዝዞም፤ ብወሰን እቶም ኣብ ሴይር ዝነብሩ ኣሕዋትኩም፥ ደቂ ኤሳው፥ ክትሓልፉ ኢኹም፤ ንሳቶም ይፈርሑኹም እዮም፤ ግና የመና ተጠንቀቑ።


ካብቲ ናብ ሴይር ዘድይብ እምባ ሃላቅ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ኣብ ጐልጐል ሊባኖስ ኣብ እግሪ እምባ ኣርሞንኤም ዘሎ በዓልጋድ ሓዘ። ንዅሎም ነገስታቶም ሒዙ ድማ ቐተሎም።


ከምኡ ድማ ኢያሱ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ንዅላ እታ ሃገር ሓዛ፤ ንደቂ እስራኤል ድማ ኸከም ክፍሎምን ከከም ነገዶምን ርስቲ ሃቦም። እታ ሃገር ከዓ ኻብ ውግእ ኣዕረፈት።


ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ንፈለግ ዮርዳኖስ ክሳዕ ዝሳገሮ፥ እቶም ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ኻህናት ኣብ ማእኸል ዮርዳኖስ፥ ኣብቲ ንቑፅ ምድሪ ቐጥ ኢሎም ቆይሞም ነበሩ።


እቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ኣብ ደጕዓን ቈላን፥ ኣብ ገምገም እቲ ዓብዪ ባሕርን ብወገን ሊባኖስን ዝነብሩ ዅሎም ነገስታት እዙይ ሰምዑ። ንሳቶም ከዓ ነገስታት ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ከነዓናውያንን ፈሪዛውያንን ሔዋውያንን ኢያቡሳውያንን ነበሩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos