Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 12:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6 ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴን ደቂ እስራኤልን ነዚኣቶም ሰዓርዎም፤ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ ድማ ነታ ምድሮም፥ ንነገድ ሮቤልን ንነገድ ጋድን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ርስቲ ገይሩ ሃቦም።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 12:6
11 Referencias Cruzadas  

ጌበር ወዲ ኡሪ ኣብ ሃገር ገለዓድ፥ ኣብታ ናይ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያንን ናይ ዓግ ንጉስ ባሳንን ዝነበረት ሃገር። ብዘይ እዞም ዓሰርተ ኽልተ ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝገዝእ ሓደ ሹም ነበረ።


ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ንውግእ ኣፅዋር ዝሓዙ ዅሎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክዋግኡ፥ ምሳኻትኩም ፈለግ ዮርዳኖስ እንተ ተሳገሩ፥ እታ ሃገር ድማ ኣብ ቅድሜኹም እንተ ተገዝአት፥ ሽዑ ነታ ምድሪ ገለዓድ ርስቲ ኽትኮኖም ሃብዎም።


ንሕና ኣፅዋር ሒዝና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንምድሪ ከነዓን ንሳገር፤ እቲ እንወርሶ ርስቲ ኸዓ ኣብዙይ ኣብ ምብራቕ ፈለግ ዮርዳኖስ ይኹነልና” ኢሎም መለሱሉ።


ሙሴ ኸዓ ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን ንፈረቓ ነገድ ምናሴ ወዲ ዮሴፍን፥ መንግስቲ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን፥ መንግስቲ ዓግ ንጉስ ባሳን፥ እታ ሃገር ምስ ከተማታታን ኣብ ዙርያኣ ምስ ዘሎ ዓድታትን ሃቦም።


ሙሴ ነቶም ክልተ ነገድን ፍርቂ ነገድን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ርስቲ ሂብዎም ነበረ፤ ንሌዋውያን ግና ኣብ መንጎኣቶም ርስቲ ኣይሃቦምን።


እቶም ሌዋውያን ግና፥ ርስቶም ብኽህነት ንእግዚኣብሄር ምግልጋል እዩ እሞ ኣብ ማእኸልኩም ግደ የብሎምን። ጋድን ሮቤልን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ድማ እቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝሃቦም ርስቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ወሲዶም ኣለዉ።”


ሕዚ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ነሕዋትኩም ዝተዛረቦም ዕረፍቲ ሂብዎም እዩ እሞ፥ ተመሊስኩም ናብ ድንኳናትኩም ናብታ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ርስቲ ኺዱ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos