18 ንጉስ ኣፌቅ፥ ንጉስ ለሸሮን፥
“ነቲ ናይ ምብራቕ መስኮት ክፈቶ” በሎ። ንሱ ድማ ኸምኡ ገበረ። ኤልሳዕ ከዓ “ወርውር” በሎ። ምስ ወርወረ ድማ፥ ኤልሳዕ “ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ፍላፃ ኢኻ፤ እግዚኣብሄር ብኣኻ ገይሩ ንሶርያውያን ክስዕሮም እዩ፤ ክሳዕ እትስዕሮም ከዓ ኣብ ኣፌቅ ክትዋግኦም ኢኻ” በሎ።
እታ ምድሪ በኸየት፤ መንመነት፤ ሊባኖስ ሓፈረትን ፀምለወትን፤ ሳሮን ከም ምድረ በዳ ኾነ፥ ባሳንን ቀርሜሎስን ድማ ቘፅሎም ረገፈ።
ንጉስ ማዶን፥ ንጉስ ሓሶር፥
ብደቡብ ድማ ዅሉ ምድሪ ከነዓናውያን፥ ሜዓራ ናይ ሲዶናውያንውን ክሳዕ ኣፌቅ፥ ክሳዕ ወሰን ኣሞራውያን፥
ዑማን ኣፌቅን ረኣብን፥ ኵለን ዕስራን ክልተን ከተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።
ፍልስጥኤማውያን ድማ ዅሉ ሰራዊቶም ናብ ኣፌቅ ኣኽተቱ። እስራኤላውያን ኣብ ኢይዝራኤል ኣብ ዘሎ ዓይኒ ማይ ሰፊሮም ነበሩ።
ቃል ሳሙኤል ከዓ ኣብ ኵሉ እስራኤል ተሰምዐ። ደቂ እስራኤል ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ክዋግኡ ወፁ፤ ኣብ ጥቓ ኣቤንዔዘርውን ሰፈሩ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ኣፌቅ ሰፈሩ።