Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 12:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 እቶም ደቂ እስራኤል ዝሰዓርዎም እሞ ምድሮም ከዓ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ብምብራቕ ፀሓይ፥ ካብ ሩባ ኣርኖን ክሳዕ እምባ ኣርሞንኤም፥ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ዅሉ ጐላጕል ድማ ዝወረስዎም ነገስታት እዚኣቶም እዮም፦

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 12:1
24 Referencias Cruzadas  

ጌበር ወዲ ኡሪ ኣብ ሃገር ገለዓድ፥ ኣብታ ናይ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያንን ናይ ዓግ ንጉስ ባሳንን ዝነበረት ሃገር። ብዘይ እዞም ዓሰርተ ኽልተ ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝገዝእ ሓደ ሹም ነበረ።


ከምቲ ኣብ ልዕሊ እምባታት ፅዮን ዝወርድ ኣውሊ ኣርሞንኤም እዩ። እግዚኣብሄር ኣብኡ በረኸቱን ህይወትን፥ ንዘለኣለም ኣዚዙ እዩሞ።


ንምድሮም ርስቲ ገይሩ ዝሃበ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።


ንሰሜንን ንደቡብን ንስኻ ፈጠርካዮም፤ ታቦርን ኣርሞንኤምን ብስምካ ደስ ይብሎም፤ ንስምካውን ይዝምሩ።


ከም ዝነፍር ዒፍ ከም ዝተበተኑ ጫቚታት፥ ከምኡ ኣጓላት ደቂ ሞኣብ ኣብ መሳገሪታት ኣርኖን ክኾና እየን።


ካብኡ ተጕዒዞምውን፥ ኣብ ማዕዶ እቲ ኣብ ምድረ በዳ ዘሎ ኻብ ወሰን ኣሞራውያን ኣብ ዝወፅእ ፈለግ ኣርኖን ሰፈሩ። ኣርኖን ከዓ ኣብ መንጎ ሞኣብን ኣሞራውያንን ዘሎ ወሰን ሞኣብ እዩ።


ደቂ እስራኤል ድማ ናብ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን፦


ደቂ እስራኤል ግና ተዋጊኦም ሰዓርዎ፤ ንምድሩ ኸዓ ኻብ ፈለግ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅ፥ ክሳዕ ወሰን ደቂ ኣሞን ሓዝዎ። ወሰን ደቂ ኣሞን ግና ፅኑዕ ነበረ።


ርስትናስ ካብ ፈለገ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ በፂሑና እዩ እሞ፥ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ንየው ምስኣቶም ርስቲ ኣይንወርስን” በሉ።


ንሕና ኣፅዋር ሒዝና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንምድሪ ከነዓን ንሳገር፤ እቲ እንወርሶ ርስቲ ኸዓ ኣብዙይ ኣብ ምብራቕ ፈለግ ዮርዳኖስ ይኹነልና” ኢሎም መለሱሉ።


ሙሴ ኸዓ ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን ንፈረቓ ነገድ ምናሴ ወዲ ዮሴፍን፥ መንግስቲ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን፥ መንግስቲ ዓግ ንጉስ ባሳን፥ እታ ሃገር ምስ ከተማታታን ኣብ ዙርያኣ ምስ ዘሎ ዓድታትን ሃቦም።


እግዚኣብሄር ድማ “ሕዚ ተስኡ፤ ተጕዓዙውን፤ ንፈለግ ኣርኖን ድማ ተሳገሩ። እንሆ፥ ንሴዎን ኣሞራዊ፥ ንጉስ ሓሴቦን ምስ ኵሉ ምድሩ ኣብ ኢድኩም ሂበኩም ኣለኹ፤ ምስኡ ኸዓ ተዋግኡ እሞ ምድሩ ውረሱ።


ሴዎን ድማ ምስ ኵሉ ህዝቡ ኽዋግአና ናብ የሃፅ ወፀ።


“ተመሊስና ድማ ብመንገዲ ባሳን ደየብና። ዓግ ንጉስ ባሳን ከዓ ምስ ኵሉ ህዝቡ ኣብ ኤድሬዒ ኽዋግአና ወፀ።


ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘንበሮ ሕጊ እዙይ እዩ።


ሽዑ ንሳቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ጥቓ ቤት ፌጎር ዘላ ለሰ፥ ኣብ ምድሪ ሴዎን ነበሩ። ሴዎን ኣብ ሓሴቦን ዝነበረ ንጉስ ኣሞራውያን፥ ሙሴን ደቂ እስራኤልን ካብ ግብፂ ምስ ወፁ ዝሰዓርዎ እዩ።


እዝ ምድሪ እዙይ ካብታ ኣብ ገምገም ፈለግ ኣርኖን ዘላ ኸተማ ዓሮዔር ክሳዕ እምባ ሲዮን፥ ክሳዕ ኣርሞንኤም፥ ይበፅሕ ነበረ።


ካብቲ ናብ ሴይር ዘድይብ እምባ ሃላቅ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ኣብ ጐልጐል ሊባኖስ ኣብ እግሪ እምባ ኣርሞንኤም ዘሎ በዓልጋድ ሓዘ። ንዅሎም ነገስታቶም ሒዙ ድማ ቐተሎም።


ከምኡውን ብምብራቕን ብምዕራብን ናብ ዝነበሩ ከነዓናውያን፥ ኣብ ደጕዓ ናብ ዝነበሩ ኣሞራውያንን ኬጢያውያንን ፈሪዛውያንን ኢያቡሳውያንን ኣብ እግሪ እምባ ኣርሞንኤም ኣብ ምድሪ ምፅጳ ናብ ዝነበሩ ኤዋውያንን ለኣኸ።


ነገድ ሮቤልን ነገድ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን፥ ከምቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝሃቦም፥ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ርስቶም ተቐበሉ።


ሕዚ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ነሕዋትኩም ዝተዛረቦም ዕረፍቲ ሂብዎም እዩ እሞ፥ ተመሊስኩም ናብ ድንኳናትኩም ናብታ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ርስቲ ኺዱ።


“ሽዑ ብምድረ በዳ ኸይዶም፥ ንምድሪ ኤዶምያስን ንምድሪ ሞኣብን ዞርወን፥ ናብ ምብራቕ ምድሪ ሞኣብ መፂኦም ከዓ፥ ኣብ ማዕዶ ኣርኖን ሰፈሩ። ኣርኖን ወሰን ሞኣብ ስለ ዝነበረ፥ ናብ ማዕዶ ወሰን ሞኣብ ኣይሓለፉን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos