9 ኢያሱ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበሮም፤ ቋንጃ ኣፍራሶም በተኸ፤ ሰረገላታቶምውን ብሓዊ ኣንደደ።
ብቝጥዓኦም ሰብ ቀተሉ፤ ብዅራኦምውን ቋንጃ ኣብዑር ቈረፁ፤ ኣብ ምኽሮም ኣይሕወሰኒ፤ ኣብ ኣኼባኦም ከዓ ኣይፀምረኒ።
ዳዊት ድማ ኻብኡ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ፈረሰኛን፥ ዕስራ ሽሕ ከዓ ኣጋራትን ማረኸ። ዳዊት ሚእቲ ፈረስ ሰረገላ ኣትሪፉ፥ ንዅሎም ኣፍራስ ሰረገላ ቛንጃኦም ቈረፀ።
“ዕረፉ፤ ኣነውን ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ ፍለጡ፤ ብኣህዛብ ልዕል ልዕል ክብል እየ፤ ኣብ ምድሪ እውን ልዕል ልዕል ክብል እየ።”
“እንሆ ኣብ ልዕሌኺ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፤ ንሰረገላታት ኣንዲደ ኸትክኾ እየ፤ ንዀራዅር ኣናብስክውን ሰይፊ ኽበልዖም እዩ፤ ንዝዘመትክዮ ኻብ ምድሪ ኸጥፍኦ እየ፤ ድምፂ ልኡኻትክውን ካብ ደጊም ኣይስማዕን።”
እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ፅባሕ ከምዛ እዋን እዚኣ፥ ኣነ ንዅሎም፥ ቅቱላት ገይረ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ እሞ፥ ንኣኣቶም ኣይትፍራሕ፤ ቋንጃ ኣፍራሶም ክትበትኽ፥ ሰረገላታቶምውን ብሓዊ ኽተንድድ ኢኻ” በሎ።