8 እግዚኣብሄር ድማ ንፀላእቶም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ደቂ እስራኤል ከዓ ሰዓርዎም፤ ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶና፥ ክሳዕ ማሴሮን፥ ብወገን ምብራቕውን ክሳዕ ለሰ ምፅጳ ኣሳጐጕዎም። ሓደ እኳ እንተየትረፉ ቐተልዎም።
ከነዓን ድማ ነቲ በዅሪ ወዱ ሲዶንን ኬጢያውያንን፥
“ዛብሎን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኽነብር እዩ፤ መዕረፍ መራኽብውን ክኸውን እዩ፤ ወሰኑ ኸዓ ኽሳዕ ሲዶና ክኸውን እዩ።”
ናብተን ኣብ ምድሪ ኬጢያውያን ዝርከባ ገለዓድን ቃዴስን ድማ ኣተዉ። ሽዑ ናብ ዳንየዓንውን በፅሑ፤ ካብኡ ኸዓ ናብ ምዕራብ ሲዶና ኸዱ።
ባሕርን እቲ ዕርዲ ባሕርን “ቅልውላው ኣይሓዘንን፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ኣየዕበኹን” ይብል ኣሎ እሞ፥ ኣቲ ሲዶን ሕፈሪ።
ከምኡውን ኣብታ እተዋስና ሃማት፥ የመና ጥበበኛታት ኣብ ዝኾኑ፥ ኣብ ልዕሊ ጢሮስን ኣብ ልዕሊ ሲዶናን እዩ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ቅድሜኹም ኣሕሊፉ እንትህበኩም እሞ እንትትስዕርዎም፥ ፈፂምኩም ኣጥፍእዎም። ምስኣቶም ኪዳን ኣይትተኣታተዉ፤ ኣይትምሓርዎምውን።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝባላዕ ሓዊ ኾይኑ ቐቅድሜኹም ከም ዝሓልፍ፥ ሎሚ ፍለጡ። ንሱ ኸጥፍኦም እዩ፤ ኣብ ቅድሜኹምውን ከዋርዶም እዩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝነግረኩም ክተሳጕጉዎም፥ ቀልጢፍኩም ድማ ኽተጥፍእዎም ኢኹም።
ኢያሱን ደቂ እስራኤልን ብዓብዪ ውቅዒት ወቕዕዎም፤ ምውቃዖም ምስ ፈፀሙውን እቶም ካብኣቶም ሃዲሞም ዘምለጡ ናብተን ዝተዓረዳ ኸተማታት ምስ ኣተዉ፥
ከምኡውን ብምብራቕን ብምዕራብን ናብ ዝነበሩ ከነዓናውያን፥ ኣብ ደጕዓ ናብ ዝነበሩ ኣሞራውያንን ኬጢያውያንን ፈሪዛውያንን ኢያቡሳውያንን ኣብ እግሪ እምባ ኣርሞንኤም ኣብ ምድሪ ምፅጳ ናብ ዝነበሩ ኤዋውያንን ለኣኸ።
ኢያሱ ምስ ኵሎም ሰራዊቱ፥ ኣብ ማይ ማሮን መፂኡ፥ ብድንገት ሓደጋ ኣብፅሐሎም።
ንዅሎም ካብ ሊባኖስ ክሳዕ ሚስረፎት ማይም ኣብ ደጕዓ ዝነብሩ ሲዶናውያን፥ ኣነ ኻብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ክሰጎም እየ። ንስኻ ኸዓ ኸምቲ ዝኣዘዝኩኻ፥ እታ ምድሪ ንእስራኤል ርስቲ ጌርካ ኣካፍሎም።
ካብኡ ናብ ዔብሮንን ናብ ራኣብን ናብ ሓሞንን ናብ ቃናን ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶና ይበፅሕ።
እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ዅሉ ነቦታቶም ዝመሓለሎም፥ ብዅሉ ዙርያኦም ዕረፍቲ ሃቦም። እግዚኣብሄር ንዅሎም ፀላእቶም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ስለ ዝሃቦም ካብ ኵሎም ፀላእቶም ሓደ እኳ ኣብ ቅድሚኣቶም ደው ክብል ኣይከኣለን።