6 እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ፅባሕ ከምዛ እዋን እዚኣ፥ ኣነ ንዅሎም፥ ቅቱላት ገይረ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ እሞ፥ ንኣኣቶም ኣይትፍራሕ፤ ቋንጃ ኣፍራሶም ክትበትኽ፥ ሰረገላታቶምውን ብሓዊ ኽተንድድ ኢኻ” በሎ።
ዳዊት ድማ ኻብኡ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ፈረሰኛን፥ ዕስራ ሽሕ ከዓ ኣጋራትን ማረኸ። ዳዊት ሚእቲ ፈረስ ሰረገላ ኣትሪፉ፥ ንዅሎም ኣፍራስ ሰረገላ ቛንጃኦም ቈረፀ።
ኤልሳዕ ከዓ “ካብቶም ምስኣቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ እዮም እሞ፥ ኣይትፍራሕ” በሎ።
ፅባሕ ተዋግእዎም፤ እንሆ በቲ ዓቐበት ፂፅ ይድይቡ ኣለዉ፤ ኣብ ወሰን እቲ ናብ ምድረ በዳ ይሩኤል ዘእቱ ለሰ ኽትረኽብዎም ኢኹም።
“ዕረፉ፤ ኣነውን ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ ፍለጡ፤ ብኣህዛብ ልዕል ልዕል ክብል እየ፤ ኣብ ምድሪ እውን ልዕል ልዕል ክብል እየ።”
ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፤ ኣምላኽ ያእቆብ መፀግዒና እዩ።
ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንውግእ ኸወግድ እዩ፤ ንቐስቲ ኽሰባብሮ፤ ንዅናት ክቐራስሞ፤ ንዋልታ ኸዓ ብሓዊ ኸቃፅሎ እዩ።
ፃድቕ ብዘይ ነውሪ ይነብር፤ ብድሕሪኡ ኸዓ ደቁ ቡሩኻት እዮም።
እኳ ደኣ በፍራስ ተቐሚጥና ኢና በልኩም። ስለዙይውን ክትሃድሙ ኢኹም፤ መሊስኩም ኣብ ፈጣናት ኣፍራስ ክንቕመጥ ኢና በልኩም፤ እንተ ኾነ እቶም ዘሳጕጉኹም ዝቐልጠፉ ክኾኑ እዮም።
ናብ ናይ እስራኤል ቅዱስ ዘይምልከቱ፥ ንእግዚኣብሄርውን ዘይደልዩ፥ ግና ሓገዝ ደልዮም ናብ ግብፂ ንዝወርዱ፥ በፍራስ ንዝእመኑ፥ ብብዝሒ ሰረገላታት የመናውን ብርቱዓት ስለ ዝኾኑ፥ ብጕልበት ፈረሰኛታት ዝምክሑ ወይለኦም!
“እቶም ኣብ ከተማታት እስራኤል ዝነብሩ ዘለዉ ድማ ኽወፁ እዮም እሞ፥ ንኣፅዋራት ኲናት ከቃፅሉ እዮም፤ ንዋላቱን ገለባትን ቀስትታትን ፍላፃታትን ኣጕማድን ኲናታትንውን ብሓዊ ኸንድድዎ እዮም፤ ሸውዓተ ዓመትውን ብሓዊ ኸንድድዎም እዮም።
ኣሶር ከድሕነና ኣይኽእልን፤ ኣብ ልዕሊ ኣፍራስውን ኣይንቕመጥን፤ እቲ ደኽታም ኣባኻ ምሕረት ይረክብ እዩ እሞ፥ ደጊም ነቶም ኣእዳውና ዝሰርሕዎም፥ ኣማልኽትና ኢኹም ኣይንብሎምን” በልዎ።
“እንሆ ኣብ ልዕሌኺ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፤ ንሰረገላታት ኣንዲደ ኸትክኾ እየ፤ ንዀራዅር ኣናብስክውን ሰይፊ ኽበልዖም እዩ፤ ንዝዘመትክዮ ኻብ ምድሪ ኸጥፍኦ እየ፤ ድምፂ ልኡኻትክውን ካብ ደጊም ኣይስማዕን።”
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣሕሊፉ ንዝህበኩም ኵሎም ኣህዛብ ኣጥፍእዎም፤ ዓይንኹምውን ኣይራህርሀሎም። ኣማልኽቶምውን መፈንጠር ከይኾኑኹም፥ ኣይተምልኽዎም።
እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ፥ “ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ሂበዮም ኣለኹ፤ ካብኣቶም ሓደ ሰብ እኳ ዝቃወመካ የለንሞ፥ ኣይትፍርሓዮም” በሎ።
እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኵሎም ተኣኪቦም ምስ እስራኤል ክዋግኡ ኣብ ማይ ማሮን መፂኦም ብሓደ ሰፈሩ።
ኢያሱ ምስ ኵሎም ሰራዊቱ፥ ኣብ ማይ ማሮን መፂኡ፥ ብድንገት ሓደጋ ኣብፅሐሎም።
ኢያሱ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበሮም፤ ቋንጃ ኣፍራሶም በተኸ፤ ሰረገላታቶምውን ብሓዊ ኣንደደ።
ኢያሱ ነቶም ህዝቢ፥ “እግዚኣብሄር ፅባሕ ኣብ ማእኸልኩም ዘገርም ነገር ክገብር እዩ እሞ፥ ተቐደሱ” በሎም።
ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን ከዓ ኣብ ቅድሚኡ የገልግል ነበረ። “መሊስናዶ ኸም ብሓድሽ ምስ ኣሕዋትና ደቂ ብንያም ክንዋጋእ ክንድይብ ወይ ክንሓድጎም?” ኢሎም ጠየቕዎ። እግዚኣብሄር ድማ “ፅባሕ ኣብ ኢድኩም ክህበኩም እየ እሞ ደይብኩም፥ ተዋግእዎም” በሎም።
በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንጌዴዎን “ንምድያም ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፥ ተሲእኻ ናብቲ ሰፈሮም ውረድ።
ነቶም ዝመፁ ልኡኻት ድማ “ንሰብ ኢያቤስ ናይ ገለዓድ ‘ፅባሕ ፀሓይ ምስ በርትዐት ምድሓን ክኾነልኩም እዩ’ ኢልኩም ንገርዎም” በልዎም። እቶም ልኡኻት ድማ ኸይዶም ንሰብ ኢያቤስ ነገርዎም፤ ንሳቶም ከዓ ተሓጐሱ።