4 ንሳቶም ከዓ ምስ ኵሎም ሰራዊቶምን ምስ ብዙሕ ፈረስን ሰረገላን መፁ። ምብዛሖም ከዓ ኸምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃ ነበረ።
ፈፂመ ኽባርኸካ እየ፤ ንዘርእኻ ድማ ኸም ከዋኽብቲ ሰማይን፥ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃን፥ ከብዝሖ እየ። ዘርእኻ ድማ ኣፍ ደገ ፀላእቶም ክወርሱ እዮም።
‘ብዙሕ ፅቡቕ ክገብረልካ እየ፤ ንዘርእኻውን ምብዛሑ ኽቝፀር ከም ዘይከኣል፥ ከም ሑፃ ባሕሪ ኽገብሮ እየ’ ኢልካ ኔርካ።”
ስለዙይ “ከም ሑፃ ባሕሪ ዝበዝሕ፥ ኵሉ እስራኤል ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤሕ ናባኻ ክኸትት፥ ባዕልኻውን መሪሕኻዮም ናብቲ ውግእ ክትከይድ እመክር ኣለኹ” በሎ።
ይሁዳን እስራኤልን ከም ሑፃ ባሕሪ በዚሖም ነበሩ። ይበልዑን ይሰትዩን ነበሩ፤ ሕጕሳት ድማ ነበሩ።
ንሳቶም ሰንከልከል ኢሎም ወደቑ፤ ንሕና ግና ተሳእና፤ ፀኒዕናውን ቆምና።
እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኵሎም ተኣኪቦም ምስ እስራኤል ክዋግኡ ኣብ ማይ ማሮን መፂኦም ብሓደ ሰፈሩ።
ምድያማውያንን ኣማሌቃውያንን ኵሎም ደቂ ምብራቕን ብዝሖም ከም ኣንበጣ ዝኾኑ ኣብቲ ለሰ ሰፊሮም ነበሩ። ኣግማሎም ከዓ ኽቝፀራ ዘይኽእላ፥ ኣብ ወሰን ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑፃ ብዙሓት ነበራ።
ፍልስጥኤማውያን ድማ ሰላሳ ሽሕ ሰረገላ፥ ሽዱሽተ ሽሕ ፈረሰኛ፥ ብዝሒ ህዝቢ ድማ ኸምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃ ኾይኖም ምስ እስራኤል ክዋግኡ ተኣከቡ። ደዪቦም ኣብታ ኣብ ምብራቕ ቤት ኣዌን ዘላ ማክማስ ሰፈሩ።