23 ከምኡ ድማ ኢያሱ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ንዅላ እታ ሃገር ሓዛ፤ ንደቂ እስራኤል ድማ ኸከም ክፍሎምን ከከም ነገዶምን ርስቲ ሃቦም። እታ ሃገር ከዓ ኻብ ውግእ ኣዕረፈት።
እቶም ደቆም ከዓ ነታ ሃገር ኣትዮም ወረስዋ፤ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ከነዓናውያን ካብ ቅድሚኣቶም ኣጥፋእኻዮም፥ ንነገስታትን ንህዝብታት እታ ሃገርን፥ ዝደለዩ ኽገብርዎም ድማ ኣብ ኢዶም ኣሕሊፍካ ሃብካዮም።
ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንውግእ ኸወግድ እዩ፤ ንቐስቲ ኽሰባብሮ፤ ንዅናት ክቐራስሞ፤ ንዋልታ ኸዓ ብሓዊ ኸቃፅሎ እዩ።
ነዝ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ሓልውዎ፤ እንሆ፥ ኣነ ኸዓ ንኣሞራውያንን ንከነዓናውያንን ንኬጢያውያንን ንፌርዛውያንን ንሃዋውያንን ንኢያቡሳውያንን ካብ ቅድሜኹም ክሰጎም እየ።
እቶም ኣሕሉቕ ከዓ፥ እታ ምድሪ ንቤት እስራኤል ከከም ነገዶም ክህብዎም እዮም እምበር፥ ድሕሪዙይ ንህዝበይ ኣይገፍዕዎምን፤ እዚኣስ ምድሩ፥ ኣብ እስራኤል ድማ ርስቱ ኽትከውን እያ።
እቲ ኣብ ቅድሜኻ ዝቐውም ኢያሱ ወዲ ነዌ ግና ኽኣትዋ እዩ። ንሱ ነታ ምድሪ ንእስራኤል ከውርሶም እዩ እሞ ኣተባብዓዮ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብቶም ኣብ ዙርያ እታ ንሱ ኽትወርስዋ ርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ዝነብሩ ዅሎም ፀላእትኹም ምስ ኣዕረፈኩም፥ ንዝኽሪ ኣማሌቃውያን ካብ ትሕቲ ሰማይ ደምስስዎ፥ ኣይትረስዕዎውን።
ኢያሱ ምስ እዞም ኵሎም ነገስታት እዚኣቶም ነዊሕ እዋን ተዋግአ።
እቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ወገን ምዕራብ፥ ኣብ ጐልጐል ሊባኖስ ካብ ዘላ በዓልጋድ ክሳዕ እቲ ናብ ሴይር ዘድይብ ዑና ዝኾነ እምባ ሃላቅ ዝነበሩ፥ ኢያሱን ደቂ እስራኤልን ዝሰዓርዎም ነገስታት እታ ሃገር እዚኣቶም እዮም። ኢያሱ ድማ እታ ምድሪ ንነገዳት እስራኤል ብምክፍፋል ርስቲ ገይሩ ሃቦም።
ኢያሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሴሎ ዕፃ ኣውደቐሎም፤ ነታ ሃገር ድማ ንደቂ እስራኤል ከከም ክፍሊ ነገዶም ገይሩ መቐሎም።
ሕዚ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ነሕዋትኩም ዝተዛረቦም ዕረፍቲ ሂብዎም እዩ እሞ፥ ተመሊስኩም ናብ ድንኳናትኩም ናብታ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ርስቲ ኺዱ።
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ነዊሕ ዘመን ምስ ሓለፈ፥ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብቶም ኣብ ዙርያኣቶም ዝነብሩ ዅሎም ፀላእቶም ምስ ኣዕረፎም፥ ኢያሱውን ኣሪጉ ነዊሕ ዕድመ ምስ ገበረ፥