Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 11:22 - መፅሓፍ ቅዱስ

22 ኣብ ምድሪ ደቂ እስራኤል ካብ ዔናቃውያን ሓደ እኳ ኣየትረፈን። ኣብ ጋዛን ኣብ ጌትን ኣብ ኣዛጦንን ግና ቑሩብ ተሪፎም ነበሩ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 11:22
19 Referencias Cruzadas  

ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ክልተ ኣገልገልቲ ሳሚ ናብ ኣንኩስ ወዲ መዓካ፥ ንጉስ ጌት ሃደሙ። ንሳሚ ድማ “ኣብ ጌት ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ።


ድሕሪዙይ ዳዊት ንፍልስጥኤማውያን ተዋጊኡ ሰዓሮም ኣዋረዶምውን፤ ንጌትን ነተን ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ዓድታትን ድማ ኻብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ወሰደን።


በሪዓን ሸማዕን ዋናታት እቶም መማይ ቤት ኣቦታት እቶም ኣብ ኣያሎ ዝቕመጡ ዝነበሩ እዮም። ንሳቶም ነቶም ኣብ ጌት ዝቕመጡ ዝነበሩ ሰጐጕዎም።


ንጉስ ዖዝያ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፤ ንቕፅሪ ኸተማታት ጌትን ያብናን ኣዛጦንን ድማ ኣፍረሰ። ኣብ ምድሪ ኣዛጦንን ኣብቲ ዝተረፈ ሃገር ፍልስጥኤማውያንን ከዓ ዝተዓረዳ ኸተማታት ሰርሐ።


ሳርጎን ንጉስ ኣሶር ብዝለኣኾ መሰረት፥ ኣዛዚ ሰራዊቱ ተርታን ናብ ኣዛጦን መፂኡ፥ ንኸተማ ኣዛጦን ተዋጊኡ ኣብ ዝሓዛ ዓመት፥


ፊልጶስ ድማ ኣብ ሃገር ኣዛጦን ተረኽበ፤ ናብ ቂሳርያ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ንእግረ መንገዱ ኣብ ኵለን ከተማታት እናተዘዋወረ፥ ወንጌል ይሰብኽ ነበረ።


ነቶም ኣብተን ክሳዕ ጋዛ ዝበፅሓ ዘለዋ ዓድታት ሰፊሮም ዝነበሩ ዓዋውያን ድማ፥ ካብ ከፍቶር ዝወፁ ኮፍቶራውያን ኣጥፍእዎም፤ ኣብቲ ቦታኣቶም ድማ ተቐመጡ።)


እቶም ህዝቢ፥ ደቂ ዔናቅ፥ ዓበይትን ነዋሕትን ምዃኖም ንስኻትኩም ትፈልጥዎም ኢኹም፤ ብዛዕባኣቶም ድማ ‘ኣብ ቅድሚ ደቂ ዔናቅ መን ደው ክብል ይኽእል’ እንትብሃል ሰሚዕኹም ኣለኹም።


ከምኡ ድማ ኢያሱ ኻብ ቃዴስ በርኔ ኽሳዕ ጋዛ፥ ንዅላ ሃገር ጎሶምን ክሳዕ ገባዖን ወቕዖም።


ካሌብ ድማ ንሰለስቲኦም ደቂ ዔናቅ፥ ንሴሲንን ንኣኪመንን ንተላሚንን፥ ካብ ኬብሮን ኣውፅኦም።


ካብ ኣስቀሎና ጀሚሩ ኽሳዕ ዓብዪ ባሕሪ፥ ኣብ ኣዛጦን ዘለዋ ዅለን ምስ ቍሸታተን፥


ኣዛጦንን ምስ ዝተዓረዱን ዘይተዓረዱን ከተማታታን ቍሸታታን፥ ጋዛ ምስ ዝተዓረዱን ዘይተዓረዱን ከተማታታን ቍሸታታን ክሳዕ ፈለግ ግብፅን ክሳዕ ወሰን ዓብዪ ባሕሪን።


ከምኡውን ደቂ ይሁዳ ንጋዛ ምስ ከባቢኣ፥ ንኣስቀሎና ምስ ከባቢኣ፥ ንኣቃሮን ምስ ከባቢኣ ሓዝወን።


ሓሙሽቲኦም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን፥ ኵሎም ከነዓናውያን፥ ሲዶናውያን፥ እቶም ኣብ እምባታት ሊባኖስ፥ ኣብ እምባ በዓል ሄርሞን ክሳዕ መእተዊ ሓማት ዝነብሩ ኤዋውያን።


ጐልያድ ዝስሙ በዓል ጌት፥ ሽዱሽተ እመትን ስድርን ዝቑመቱ፥ ዋና ጅግና ኻብ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ወፀ።


ፍልስጥኤማውያን ድማ ንታቦት እግዚኣብሄር ካብ ኤብንዔዘር ወሲዶም ናብ ኣዛጦን ኣምፅእዎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos