Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 11:21 - መፅሓፍ ቅዱስ

21 በታ ጊዜ እቲኣ ኢያሱ መፂኡ ነቶም ኣብ ደጕዓ ዝነብሩ ደቂ ዔናቅ፥ ካብ ኬብሮን፥ ካብ ዳቤር፥ ካብ ዓናብ፥ ካብ ዅሉ ደጕዓ ይሁዳን ካብ ኵሉ ደጕዓ እስራኤልን ኣጥፍኦም። ኢያሱ ንኣኣቶምን ንኸተማኣቶምን ፈፂሙ ኣጥፍኦም።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 11:21
18 Referencias Cruzadas  

ካብቶም ኰረብታታት ረድኤት ምፅባይ፥ ብሓቂ ኸንቱ እዩ፤ እምባታት፥ ጥቕሚ ዘይብሉ ድምፂ ደኣ ሃቡና፤ ብሓቂ ምድሓን እስራኤል፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ዝርከብ።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ጥበበኛ ብጥበቡ ኣይመካሕ፤ ሓያልውን ብሓይሉ ኣይመካሕ፤ ሃብታምውን ብሃብቱ ኣይመካሕ።


“ኣነ ግና፥ ነቲ ቑመቱ ኸም ቁመት ዝግባ፥ ምፅንዑ ድማ ኸም ኣውሊዕ ንዝነበረ ኣሞራዊ፥ ካብ ቅድሚኣቶም ኣጥፋእኽዎ። ንፍረኡ ኻብ ላዕሊ፥ ንሰራውሩውን ካብ ታሕቲ ኣጥፋእኽዎ።


ኣብኣ ድማ እቶም ገዘፍቲ ዝኾኑ ካብ ወገን ኔፊሊም ዝኾኑ ኔፊሊም ደቂ ዔናቅ ረአና፤ ንሕና ኸም ኣንበጣ ኣናእሽተይ ኾንና፤ ኣብ ኣዒንቶም ከዓ ኸምኡ ኾንና።”


ንሕና እሞ ናበይ ክንድይብ? እቶም ህዝቢ ብዙሓት እዮም፤ ቁመቶምውን ካባና ዝነውሑ እዮም። እተን ከተማታት ድማ ዓበይትን ክሳዕ ሰማይ ዝበፅሓን ዝተዓረዳን እየን፤ ንደቂ ዔናቅውን ኣብኡ ረአናዮም፥ ኢሎም ኣሕዋትና ንልብና ኣፍርሕዎ’ በልኩም።


ከም ዔናቃውያን፥ ዓቢይን ብዙሕን ህዝቢ፥ እቶም ሰባት ድማ ነዊሕ ዝቑመቶም ነበሩ። ግና እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኣቶም ኣጥፍኦም እሞ፥ ንኣኣቶም ሰጐጎም፤ ኣብ ቦታኣቶምውን ተቐመጡ።


እቶም ህዝቢ፥ ደቂ ዔናቅ፥ ዓበይትን ነዋሕትን ምዃኖም ንስኻትኩም ትፈልጥዎም ኢኹም፤ ብዛዕባኣቶም ድማ ‘ኣብ ቅድሚ ደቂ ዔናቅ መን ደው ክብል ይኽእል’ እንትብሃል ሰሚዕኹም ኣለኹም።


እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንእስራኤል ይዋግአላ ስለ ዝነበረ፥ ኢያሱ ነዞም ኵሎም ነገስታት እዚኣቶምን ንምድሮምን ብሓደ ጊዜ ሓዘ።


እንሆ ኸዓ፥ ኣምበላይ ፈረስ እንትወፅእ ረአኹ፤ እቲ ዝተቐመጦ ድማ፥ ቀስቲ ሒዙ ነበረ፤ ኣኽሊልውን ሃብዎ፤ ክስዕር ወፀ፤ ሰዓረ ድማ።


ንካሌብ ድማ፥ ከምቲ ሙሴ ዘተስፈዎ ንኬብሮን ሃብዎ፤ ንሱ ኸዓ ንሰለስቲኦም ደቂ ዔናቅ ካብኣ ኣልቀቖም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos