19 ብዘይ እቶም ኣብ ገባዖን ዝነብሩ ኤዊያውያን ምስ እስራኤል ሰላም ዝገበረት ከተማ ኣይነበረትን። ንዅለን ተዋጊኦም እዮም ዝሓዝወን።
ኢያሱ ምስ እዞም ኵሎም ነገስታት እዚኣቶም ነዊሕ እዋን ተዋግአ።
ሓሙሽቲኦም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን፥ ኵሎም ከነዓናውያን፥ ሲዶናውያን፥ እቶም ኣብ እምባታት ሊባኖስ፥ ኣብ እምባ በዓል ሄርሞን ክሳዕ መእተዊ ሓማት ዝነብሩ ኤዋውያን።