18 ኢያሱ ምስ እዞም ኵሎም ነገስታት እዚኣቶም ነዊሕ እዋን ተዋግአ።
ካብቲ ናብ ሴይር ዘድይብ እምባ ሃላቅ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ኣብ ጐልጐል ሊባኖስ ኣብ እግሪ እምባ ኣርሞንኤም ዘሎ በዓልጋድ ሓዘ። ንዅሎም ነገስታቶም ሒዙ ድማ ቐተሎም።
ብዘይ እቶም ኣብ ገባዖን ዝነብሩ ኤዊያውያን ምስ እስራኤል ሰላም ዝገበረት ከተማ ኣይነበረትን። ንዅለን ተዋጊኦም እዮም ዝሓዝወን።
ከምኡ ድማ ኢያሱ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ንዅላ እታ ሃገር ሓዛ፤ ንደቂ እስራኤል ድማ ኸከም ክፍሎምን ከከም ነገዶምን ርስቲ ሃቦም። እታ ሃገር ከዓ ኻብ ውግእ ኣዕረፈት።