17 ካብቲ ናብ ሴይር ዘድይብ እምባ ሃላቅ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ኣብ ጐልጐል ሊባኖስ ኣብ እግሪ እምባ ኣርሞንኤም ዘሎ በዓልጋድ ሓዘ። ንዅሎም ነገስታቶም ሒዙ ድማ ቐተሎም።
ያእቆብ ድማ፥ ኣብ ሃገር ኤዶምያስ ኣብ ምድሪ ሴይር ናብ ዝነብር ሓዉ ኤሳው ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ።
ንሰሜንን ንደቡብን ንስኻ ፈጠርካዮም፤ ታቦርን ኣርሞንኤምን ብስምካ ደስ ይብሎም፤ ንስምካውን ይዝምሩ።
ካብዙይ ተልዒልኩም ተጕዓዙ፤ ናብ እምባ ኣሞራውያንን ኣብ ጥቓኡ ናብ ዘሎ ዅሉን ናብ ፈለግ ዮርዳኖስን ናብ ደጕዓን ናብ ቈላን ናብ ደቡብን ናብ ወሰን ባሕርን ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ናብ ሊባኖስን፥ ክሳዕ እቲ ዓብዪ ፈለግ ኤፍራጥስን እውን ኪዱ።
“ካብኡ ተመሊስና ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበለኒ፥ ብመንገዲ ምብራቓዊ ባሕሪ ኤርትራ ኣቢልና ንምድረ በዳ ገፅና ተጕዓዝና። ንእምባ ሴይር ብዙሕ መዓልቲ ዞርናዮ።”
(ሲዶናውያን ንእምባ ኣርሞንዔም ሲርዮን ይብልዎ፤ ኣሞራውያን ግና ሰኒር ይብልዎ።)
“እግዚኣብሄር ካብ ሲና መፀ፤ ካብ ሴይር ድማ ኣብ ልዕሊኣቶም ወረደ፤ ካብ እምባ ፋራን ኣንፀባረቐ፤ ምስ ኣእላፍ ቅዱሳኑ መፀ፤ ካብ የማናዩ ሓዊ ወፀሎም።
ንነገስታቶም ከዓ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ፤ ስሞም ድማ ኻብ ትሕቲ ሰማይ ክተጥፍኡ ኢኹም። ክሳዕ እተጥፍእዎም ዝኾነ ይኹን ኣብ ቅድሜኹም ክቃወመኩም ዝኽእል የለን። ንዅሎም ክተጥፍእዎም ኢኹም።
ወሰንኩም ካብ ምድረ በዳን ካብ ሊባኖስን ክሳዕ እቲ ዓብዪ ፈለግ ኤፍራጥስ፥ ብምልእታ ምድሪ ኬጢያውያንን ክሳዕ እቲ ኣብ ምዕራብ ዘሎ ዓብዪ ባሕሪ ክኸውን እዩ።
ኢያሱ ምስ እዞም ኵሎም ነገስታት እዚኣቶም ነዊሕ እዋን ተዋግአ።
ከምኡውን ብምብራቕን ብምዕራብን ናብ ዝነበሩ ከነዓናውያን፥ ኣብ ደጕዓ ናብ ዝነበሩ ኣሞራውያንን ኬጢያውያንን ፈሪዛውያንን ኢያቡሳውያንን ኣብ እግሪ እምባ ኣርሞንኤም ኣብ ምድሪ ምፅጳ ናብ ዝነበሩ ኤዋውያንን ለኣኸ።
ምድሪ ጌባላውያን፥ ብምሉኡ ሊባኖስ ድማ ብወገን ምብራቕ ፀሓይ፥ ካብቲ ኣብ እግሪ እምባ ኣርሞንኤም ዘሎ በዓል ጋድ ክሳዕ እቲ ንሓማት ዘእቱ።