Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 11:16 - መፅሓፍ ቅዱስ

16 ኢያሱ ኸዓ ንዅላ እታ ሃገር፥ ምድሪ ደጕዓን ኵሉ ደቡብን ኵላ ምድሪ ጎሶምን ቈላን ጐልጐልን እምባታት እስራኤልን ቈላኡን ሓዘ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 11:16
16 Referencias Cruzadas  

ሃገራት ኣህዛብውን ሃቦም፤ ንናይ ባዕዲ ድኻምውን ወረሱ።


ህዝቢ እስራኤል ክመፁ እንተለዉ፥ ንኣህዛብ ካብ ቅድሚኣቶም ኣባረሮም፤ ንርስቱውን ብገመድ ኣካፈሎም። ንህዝቢ እስራኤልውን ኣብ ኣባይቶም ኣንበረ።


ኣብቲ በሪኽ እምባ እስራኤል ክተኽላ እየ፤ ክትጭንፍርን ክትፈርን ግሩም ዝኾነት ፅሕዲውን ክትከውን እያ፤ ኵለን ኣዕዋፍን ክንፊ ዘለወንን ኣብ ትሕቲኣ ኽነብራ፥ ኣብ ትሕቲ ፅላል ጨናፍራውን ይሰፍራ እየን።


ግናኸ ኣቱም እምባታት እስራኤል፥ ኣነ ንኣኻትኩም እየሞ፥ እኒሀኹ ናባኻትኩምውን ክምልከት እየ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኽትሕረሱን ክትዝርኡን ኢኹም እሞ፤ ምምላሶም ስለ ዝቐረበ ንህዝበይ እስራኤል ጨናፍርኩም ክጭብጭብ፥ ፍረኹም ከዓ ኽፈሪ እዩ።


ካብዙይ ተልዒልኩም ተጕዓዙ፤ ናብ እምባ ኣሞራውያንን ኣብ ጥቓኡ ናብ ዘሎ ዅሉን ናብ ፈለግ ዮርዳኖስን ናብ ደጕዓን ናብ ቈላን ናብ ደቡብን ናብ ወሰን ባሕርን ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ናብ ሊባኖስን፥ ክሳዕ እቲ ዓብዪ ፈለግ ኤፍራጥስን እውን ኪዱ።


በዝ ኸምዙይ ኢያሱ ንዅላ እታ ምድርን፥ ነቶም ኣብ ደጕዓን ደቡብን ቈላን ጎቦታትን ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ቀተሎም። ሓደ እኳ ኣየትረፈን፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝኣዘዞ፥ እስትንፋስ ንዘለዎ ዅሉ ፈፂሙ ኣጥፍኦ።


ከምኡ ድማ ኢያሱ ኻብ ቃዴስ በርኔ ኽሳዕ ጋዛ፥ ንዅላ ሃገር ጎሶምን ክሳዕ ገባዖን ወቕዖም።


ከምቲ እግዚኣብሄር ንባርያኡ ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ከምኡ ሙሴ ንኢያሱ ኣዘዞ፤ ኢያሱውን ከምኡ ገበረ። ንሱ ኻብቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ሓደ ነገር እኳ ኣየትረፈን።


ናብቶም ብሰሜን ኣብ ደጕዓን ኣብ ጐልጐልን፥ ብደቡብ ኪኔሬት ድማ ኣብ ቈላን፥ ኣብ ምዕራብ በረኽቲ ዶርን ናብ ዝነበሩ ነገስታት ለኣኸ።


በታ ጊዜ እቲኣ ኢያሱ መፂኡ ነቶም ኣብ ደጕዓ ዝነብሩ ደቂ ዔናቅ፥ ካብ ኬብሮን፥ ካብ ዳቤር፥ ካብ ዓናብ፥ ካብ ዅሉ ደጕዓ ይሁዳን ካብ ኵሉ ደጕዓ እስራኤልን ኣጥፍኦም። ኢያሱ ንኣኣቶምን ንኸተማኣቶምን ፈፂሙ ኣጥፍኦም።


እታ ምድሪ ደጕዓን ሓውሲ ደጕዓን ቈላን ጎቦታትን ብደቡብ ድማ ምድረ በዳ ነበረት። ንሳ ኬጢያውያን፥ ኣሞራውያን፥ ከነዓናውያን፥ ፈሪዛውያን፥ ኤዋውያን፥ ኢያቡሳውያን ዝነብርዋ ነበረት።


እቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ኣብ ደጕዓን ቈላን፥ ኣብ ገምገም እቲ ዓብዪ ባሕርን ብወገን ሊባኖስን ዝነብሩ ዅሎም ነገስታት እዙይ ሰምዑ። ንሳቶም ከዓ ነገስታት ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ከነዓናውያንን ፈሪዛውያንን ሔዋውያንን ኢያቡሳውያንን ነበሩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos