Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 11:14 - መፅሓፍ ቅዱስ

14 ደቂ እስራኤል ንዅሉ ናይዘን ከተማታት እዚኣተን ምርኮን እንስሳን ንባዕላቶም ገበርዎ፤ ንዅሉ ሰብ ግና ኽሳዕ ዘጥፍእዎም ብስሕለት ሰይፊ ወድእዎም፤ እስትንፋስ ዘላቶ ሓደ እኳ ኣየትረፉን።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 11:14
12 Referencias Cruzadas  

ኢዮሳፍጥን ህዝቡን ነቲ ምርኮኦም ክገፉ ምስ መፁ ኸዓ፥ ኣብ መንጎ እቶም ሬሳታት ብዙሕ ሃብቲ፥ ገንዘብን ክቡር ኣቕሓን ረኸቡ፤ ምፅዋሩ ኽሳዕ ዝስእኑ፥ እቲ ምርኮ ብዙሕ ነበረ እሞ፥ ሰለስተ መዓልቲ ኽገፍዎ ፀንሑ።


ነንስቲ ምድያምን ንቘልዑተንን ማረኽዎም። ኵሉ እንስሳኦምን ኵሉ ጥሪቶምን ኵሉ ኣቑሑቶምን ዘመቱ።


ኣንስትን ህፃናትን እንስሳን፥ ኣብታ ኸተማ ዘሎ ዅሉ ምርኮኣን ንኣኻትኩም ውሰድዎ። እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ምርኮ ፀላእትኹም ከዓ ኽትበልዑ ኢኹም።


“ካብዘን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ከተማታት እዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ግና፥ እስትንፋስ ዘለዎ ሓደ እኳ ብህይወት ኣይትሕደጉ።


በዝ ኸምዙይ ኢያሱ ንዅላ እታ ምድርን፥ ነቶም ኣብ ደጕዓን ደቡብን ቈላን ጎቦታትን ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ቀተሎም። ሓደ እኳ ኣየትረፈን፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝኣዘዞ፥ እስትንፋስ ንዘለዎ ዅሉ ፈፂሙ ኣጥፍኦ።


ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባት ብስሕለት ሰይፊ ወቒዖም ፈፂሞም ኣጥፍእዎም፤ እስትንፋስ ዘላቶ ሓደ እኳ ኣይተረፈን፤ ንሓፆርውን ብሓዊ ኣንደዳ።


ብዘይ እታ ኢያሱ ዘንደዳ ሓፆር፥ ደቂ እስራኤል ነተን ኣብ ደጕዓ ዝነበራ ኸተማታት ኣየንደድወንን።


ከምቲ እግዚኣብሄር ንባርያኡ ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ከምኡ ሙሴ ንኢያሱ ኣዘዞ፤ ኢያሱውን ከምኡ ገበረ። ንሱ ኻብቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ሓደ ነገር እኳ ኣየትረፈን።


ከምቲ ንኢያሪኮን ንንጉሳን ዝገበርካዮም፥ ንጋይን ንንጉሳን ድማ ኸምኡ ኽትገብሮም ኢኻ። ምርኮኣን ጥሪታን ግና ንኣኻትኩም ውሰድዎ። ብድሕሪ እታ ኸተማ ኸዓ ሕቡእ ደጀን ግበር” በሎ።


እስራኤል ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ዝኣዘዞ፥ ጥሪትን ምርኮ እታ ኸተማን ጥራሕ ማሪኾም ንባዕላቶም ወሰዱ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos