10 ኢያሱ በታ ጊዜ እቲኣ ተመሊሱ ንሓፆር ሓዛ፤ ንንጉሳ ኸዓ ሰየፎ። ሓፆር ቀደም ንዅለን እዘን መንግስታት እዚኣተን ርእሲ ኸተማኣተን ዝነበረት እያ።
ኢያቢስ ንጉስ ሓፆር እስራኤላውያን ከም ዝሰዓሩ ምስ ሰምዐ፥ ናብ ዮባብ ንጉስ ማዶንን ናብ ንጉስ ሺምሮንን ናብ ንጉስ ኣክሻፍውን፥
እግዚኣብሄር ድማ ናብ ኢድ እቲ ኣብ ሓፆር ነጊሱ ዝነበረ ኢያቢስ ንጉስ ከነዓን ኣሕሊፉ ሃቦም። ሓለቓ ሰራዊቱ፥ ሲሳራ ይበሃል ነበረ፤ ንሱ ኸዓ ኣብ ኣሪሶት ኣህዛብ ዝቕመጥ ነበረ።