Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 10:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ፥ “ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ሂበዮም ኣለኹ፤ ካብኣቶም ሓደ ሰብ እኳ ዝቃወመካ የለንሞ፥ ኣይትፍርሓዮም” በሎ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 10:8
16 Referencias Cruzadas  

ሽዑ ሓደ ነቢይ ናብ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ቀሪቡ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ነዝ ብዙሕ ሰራዊት እዙይዶ ትሪኦ ኣለኻ? ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ እንሆ ሎሚ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ’ ” በሎ።


እምበኣር ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ፥ እንታይ ክንብል ኢና? እግዚኣብሄር ምሳና ኻብ ኮነኸ፥ መን እዩ ዝቃወመና?


እግዚኣብሄር ከዓ ‘ንእኡን ንዅሉ ህዝቡን ንሃገሩን ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ እሞ፥ ኣይትፍርሓዮ። ከምቲ ኣብ ሓሴቦን ንዝነበረ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን ዝገበርካዮ፥ ንእኡ ድማ ኸምኡ ኽትገብሮ ኢኻ’ በለኒ።


ንነገስታቶም ከዓ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ፤ ስሞም ድማ ኻብ ትሕቲ ሰማይ ክተጥፍኡ ኢኹም። ክሳዕ እተጥፍእዎም ዝኾነ ይኹን ኣብ ቅድሜኹም ክቃወመኩም ዝኽእል የለን። ንዅሎም ክተጥፍእዎም ኢኹም።


ኢያሱ ድማ “እግዚኣብሄር ነቶም እትዋግእዎም ኵሎም ፀላእትኹም ከምዙይ ክገብሮም እዩ እሞ ኣይትፍርሑን ኣይትደንግፁን፥ ፅንዑን ትብዑን” በሎም።


ኢያሱ ኸዓ ኻብ ጌልገላ ተልዒሉ፥ ምሉእ ለይቲ ኽግስግስ ሓዲሩ፥ ብድንገት መፆም።


እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ፅባሕ ከምዛ እዋን እዚኣ፥ ኣነ ንዅሎም፥ ቅቱላት ገይረ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ እሞ፥ ንኣኣቶም ኣይትፍራሕ፤ ቋንጃ ኣፍራሶም ክትበትኽ፥ ሰረገላታቶምውን ብሓዊ ኽተንድድ ኢኻ” በሎ።


እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ኣይትፍራሕ፥ ኣይትደንግፅ። ተዋጋእቲ ዝኾኑ ሰባት ውሰድ፤ ደይብ እሞ ንጋይ ውግኣያ። ረአ፤ ኣነ ንንጉስ ጋይን ንህዝቡን ንኸተማኡን ንሃገሩን ኣሕሊፈ ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ።


እግዚኣብሄር ከዓ “ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ እሞ፥ ንምድያማውያን ከም ንሓደ ሰብ ጌርካ ኽትስዕሮም ኢኻ” በሎ።


በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንጌዴዎን “ንምድያም ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፥ ተሲእኻ ናብቲ ሰፈሮም ውረድ።


እቲ ውግእ ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ዘድሕን ብሰይፍን ብዂናትን ከም ዘይኮነ፥ ኵሉ እዝ እኩብ ህዝቢ ምእንቲ ኽፈልጥ ንሱ ንኣኻትኩም ኣብ ኢድና ኽህበና እዩ” በሎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos