7 ሽዑ ኢያሱን፥ ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ፅኑዓትን ሓያላትን ካብ ጌልገላ ወፁ።
“እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ሻራ ኢሎም ንዝፅውዕዎ ዝኾነ ነገር ሻራ ኣይትበሉ፤ ነቲ ንሳቶም ዝፈርሕዎ፥ ኣይትፍርሕዎ፤ ብእኡውን ኣይትርዓዱ።
“ንሱ ንመቕደስ ክኸውን እዩ፤ ንኽልቲአን ቤት እስራኤል ግና እምኒ መዐንቀፍን መንደልሃፂ ዀዅሕን ክኸውን እዩ፤ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩውን፥ መድፈንን መፈንጠርን ክኾኖም እዩ።
ሰብ ገባዖን ድማ ናብ ኢያሱ ናብቲ ሰፈር ናብ ጌልገላ ልኢኾም “ንባሮትካ ንምርዳእ ኢድካ ኣይትመልስ፤ እቶም ኣብ ደጕዓ ዝነብሩ ነገስታት ኣሞራውያን ኵሎም ክዋግኡና ተኣኪቦም ኣለዉ እሞ ቐልጢፍካ ናባና ደይብ፤ ኣድሕነና፤ ርድአናውን” በልዎ።
እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ኣይትፍራሕ፥ ኣይትደንግፅ። ተዋጋእቲ ዝኾኑ ሰባት ውሰድ፤ ደይብ እሞ ንጋይ ውግኣያ። ረአ፤ ኣነ ንንጉስ ጋይን ንህዝቡን ንኸተማኡን ንሃገሩን ኣሕሊፈ ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ።
ኢያሱ ድማ ምስ ኵሎም እቶም ተዋጋእቲ ሰባት ኮይኑ ንጋይ ክወግኣ ተስአ። ሰላሳ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ሰባት ሓርዩ ድማ ኸምዙይ ኢሉ ኣዚዙ ብለይቲ ሰደዶም።