Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 10:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6 ሰብ ገባዖን ድማ ናብ ኢያሱ ናብቲ ሰፈር ናብ ጌልገላ ልኢኾም “ንባሮትካ ንምርዳእ ኢድካ ኣይትመልስ፤ እቶም ኣብ ደጕዓ ዝነብሩ ነገስታት ኣሞራውያን ኵሎም ክዋግኡና ተኣኪቦም ኣለዉ እሞ ቐልጢፍካ ናባና ደይብ፤ ኣድሕነና፤ ርድአናውን” በልዎ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 10:6
14 Referencias Cruzadas  

ሽዑ ነታ ኣድጊ ፅዒና ነቲ ኣገልጋሊኣ “ኪድ ምራሕ፤ ኣነ እንተይኣዘዝኩኻ ድማ ኣብ መንገዲ ኸይተደንጕየኒ ቐልጥፍ” በለቶ።


እምባታት ኣብ ዙርያ ኢየሩሳሌም ከም ዝኾኑ፥ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም፥ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ ህዝቡ እዩ።


ኣግማድ ላሕሊሑ፥ ነቲ ደቐል ኣፅኒዑ ኣየትርሮን፥ ነቲ ጋንፅላ ኣይግትሮን። ሽዑ ዘመተ ክኸውን እዩ፤ ንሕናውን ብርቱዕ ምርኮ ኽንመቅል ኢና፤ ሓንካሳት እኳ ምርኮ ኽማርኹ እዮም። እግዚኣብሄር ፈራዲና፥ እግዚኣብሄር ሓጋግ ሕግና እዩ፤ እግዚኣብሄር ንጉስና እዩ እሞ፥ ንሱ ኸድሕነና እዩ።


ኣብ ነጌብ ኣማሌቃውያን ኣብ እምባታት ድማ ሄታውያንን ኢያቡሳውያንን ኣሞራውያንን፥ ኣብ ጥቓ ባሕርን ብወገን ዮርዳኖስን ድማ ከነዓናውያን፥ ይነብሩ ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ።


በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ማርያም ቀልጢፋ ኣብ እምባታት ይሁዳ ናብ እትርከብ ሓንቲ ኸተማ ደየበት።


“ሽዑ ነቶም ጥበበኛታትን ፈላጣትን ዝኾኑ ኣሕሉቕ ነገዳት መረፅኩ፤ ኣብ ልዕሌኹምውን ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ኣሕሉቕ ሓምሳን ኣሕሉቕ ዓሰርተን ገይረ፥ ኣብ ልዕሌኹም ኣሕሉቕ ገበርኩዎም።


ሽዑ ሓሙሽቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን፥ ንጉስ ኢየሩሳሌም፥ ንጉስ ኬብሮን፥ ንጉስ ያርሙት፥ ንጉስ ላኪሶ፥ ንጉስ ኣዶላም፥ ምስ ኵሎም ሰራዊቶም ተኣኪቦም ወፁ፤ ንገባዖን ክወግእዋ ኸበብዋ።


ሽዑ ኢያሱን፥ ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ፅኑዓትን ሓያላትን ካብ ጌልገላ ወፁ።


ኣብ ኰረብታታት ይሁዳ ቂርያትኣርባቅ፥ ወይ ኬብሮን፥ ምስቲ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ኸባቢኣን ሃብዎም፤ እዝ ኣርባቅ ኣቦ ዔናቅ ነበረ።


ደቂ እስራኤል ኣብ ጌልገላ ሰፊሮም እንተለዉ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ወርሒ ኣጋ ምሸት ኣብ ጐልጐል ኢያሪኮ ፋሲካ ገበሩ።


ኢያሱ ድማ ምስቶም ሰብ ጊብዓ ሰላም ገበረ፤ ብህይወት ክሓድጎም ከዓ ቃል ኺዳን ኣተወሎም። ኣሕሉቕ እስራኤልውን መሓሉሎም።


ኢያሱ ሰፊርዎ ናብ ዘሎ ናብ ጌልገላ ኸይዶም ከዓ፥ ንእኡን ንሰብ እስራኤልን “ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመፃእና ኢና፥ ሕዚ ድማ ምሳና ኺዳን እተዉ” በልዎም።


ንኢያሱ ኸዓ “ንሕና ሓሻኽርካ ኢና” በልዎ። ኢያሱ ግና “እንታዎት ኢኹም? ካበይከ መፂእኹም?” በሎም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos