39 ንኣኣን ንንጉሳን ንዅለን ከተማታታን ሓዘ፤ ብስሕለት ሰይፊ ድማ ቐተሎም። ኣብ ዳቤር ንዘለዉ ዅሎም ሰባት ሓደ እኳ እንተየትረፈ ፈፂሙ ኣጥፍኦም። ከምቲ ኣብ ኬብሮን ዝገበሮ፥ ከምቲ ኣብ ሊብናን ኣብ ንጉሳን ዝገበሮ፥ ኣብ ደቢርን ንጉሳንውን ከምኡ ገበረ።
ኢዩ ኸዓ ኣብ ኢይዝራኤል ካብ ቤት ኣክኣብ ተሪፎም ንዝነበሩ ዅሎምን ንዅሎም ዓበይቱን ፈተውቱን ካህናቱን ሓደ እኳ እንተየትረፈ ቐተሎም።
እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ቤት ያእቆብ ሓዊ፥ ቤት ዮሴፍ ከዓ ነበልባል፥ ቤት ኤሳው ድማ ሓሰር ክኾኑ እዮም፤ ንኣኣቶም ከዓ ኸንድድዎምን ከጥፍእዎምን እዮም፤ ካብ ቤት ኤሳው፥ ሓደ እኳ ተረፍ ኣይህሉን እዩ።”
“ከምኡ ኸዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዓግ ንጉስ ባሳንን ንዅሉ ህዝቡን ኣብ ኢድና ሃበና፤ ሓደ እኳ እንተየትረፍና ወዳእናዮም።
ሽዑ ሆራም ንጉስ ጌዝር ንላኪሶ ኽረድኣ ወፀ፤ ኢያሱ ድማ ንእኡን ንህዝቡን፥ ሓደ እኳ እንተየትረፈ ቐተሎም።
ምስ ሓዝዋ ድማ፥ ንኣኣን ንንጉሳን ንዅለን ከተማታታን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን ብስሕለት ሰይፊ ቐተልዎም። ከምቲ ዅሉ ኣብ ኣዶላም ዝገበሮ፥ ሓደ እኳ ኣየትረፈን፤ ንኣኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን ስለ ዝወቕዖም ፈፂሙ ኣጥፍኦም።
ኢያሱ ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ተመሊሱ ንዳቤር ተዋግኣ።
በዝ ኸምዙይ ኢያሱ ንዅላ እታ ምድርን፥ ነቶም ኣብ ደጕዓን ደቡብን ቈላን ጎቦታትን ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ቀተሎም። ሓደ እኳ ኣየትረፈን፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝኣዘዞ፥ እስትንፋስ ንዘለዎ ዅሉ ፈፂሙ ኣጥፍኦ።
እግዚኣብሄር ድማ ንፀላእቶም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ደቂ እስራኤል ከዓ ሰዓርዎም፤ ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶና፥ ክሳዕ ማሴሮን፥ ብወገን ምብራቕውን ክሳዕ ለሰ ምፅጳ ኣሳጐጕዎም። ሓደ እኳ እንተየትረፉ ቐተልዎም።
ንጉስ ዳቤር፥ ንጉስ ጌድር፥
ሕዚ ኺድ እሞ ንኣማሌቃውያን ውግኣዮም፤ ዘለዎም ኵሉ ድማ ፈፂምካ ኣጥፍኣዮ። ኣይትራህርሀሎም፤ ሰብኣይን ሰበይትን፥ ቈልዓን ህፃንን፥ ብዕራይን በጊዕን፥ ግመልን ኣድግን ቅተል’ ይብል ኣሎ” በሎ።
ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቃውያን ከዓ ብህይወቱ ሓዞ፤ ንዅሉ እቲ ህዝቢ እውን ብስሕለት ሰይፊ ፈፂሙ ኣጥፍኦ።